ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ወረዳ እንደርታ ገዛውቶም ከፍርሱ ዝተገደዱ ነበርቲ ንኽሳራ ተቓሊዕና ይብሉ


ኣብ ትግራይ ወረዳ እንደርታ ገፊሕ ገረብን ማይ ኣንበሳን ኣብ ዝተባሃሉ ከባብታት መሬት ዘይሽየጥን ዘይልወጥን ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን እዩ ንዝብል መትከል ሕገ መንግስቲ ኢትዮዽያ ጥሒሶም ታሓራሲ መሬት ዝዓደጉ ሰባት ገዛውቶም ከፍርሱ ኣብ ዝተዋሃቦም ግዜ ገደብ ኣፍሪሶም ኣለዉ።

ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ነዚ ተግባር እዚ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ደላሎን ውልቀ ኣማሓደርቲ ጣብያን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ይገልፁ።

እቶም ዘይሕጋዊ ገዛውቲ ዝሃነፁ ሰባት እውን ፀገም ገዛ ደፊእዎም እምበር ተግባሮም ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣይካሓዱን። ንሬድዮ ኣሜሪካ ርኢተኦም ዝሃቡ ድያቆን ሃፍቶም ተኽለሃይማኖትን መልኣከ ምህረት ሕሉፍ ገብረእግዚኣብሄርን ወላ’ኳ ተግባሮም ዘይሕጋዊ እንተኾነ መንግስቲ ብእዋኑ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ሓደ ማዓልቲ ከፅድቐልና እዩ ብዝብል ተስፋ ነቲ ተግባር ከምዝቐፀልሉ ይዛረቡ።

ግርማይ ገብሩ ኣብቲ ከባቢ ብኣካል ተረኺቡ ነቲ ዝተወሰደ ሕጋዊ ስጉምቲ ሪኡ ኣሎ። ኣብ ዘይሕረስ መሬት ብፍቓድ መንግስቲ ዝተሃነፁ ኣባይቲ ኣይፈረሱን። ብኻልእ ገፅ ፖሊስ ኣብ ከይዲ እቲ ምፍራስ ሰብ ዋና ዘይተረኸቦ ንብረት ይሕሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG