ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ገዛውቶም ኣፍርሱ ዝተባሃሉ ተቐማጦ ወረዳ እንደርታ ጥርዓን የስምዑ ኣለዉ


እዞም ቁፅሮም ልዕሊ 3 ሽሕ ምዃኑ ዝገልፁ ሰባት፡ ጥርዓንና ብሰላማዊ ሰልፊ ከይንገልፅ ተኸሊእና : ኣብዝተኣከብናሉ እዋን ብመንብዕ ጋዝ በቲኖምና ተወቒዕና ዝተኣሰሩ እውን ኣለዉ ይብሉ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ወረዳ እንደርታ ገፊሕ ገርብን ማይ ኣንበሳን ኣብ ዝተባሃሉ ከባቢታት ኣባይቲ ዝሃነፁ ተቐማጦ ዘይሕጋዊ ህንፀት ኣፍርስዎ ዝብል ትእዛዝ ካብ መንግስቲ በፂሑዎም ኣሎ።

ሽሞም ክጠቕሱ ዝሰግኡ ሰባት ንወኪል ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ብ1996 ብሕጋዊ መንገዲ ዝገዛእናዮም ኣባይቲ መንግስቲ ክሳብ ንሃንፆም ተፀብዩ ኣፍርስዎ ይብለና ኣሎ እንትብሉ ኣምሪሮም ይጠርዑ።

እዞም ቁፅሮም ልዕሊ 3 ሽሕ ምዃኑ ዝገልፁ ሰባት ጥርዓንና ብሰላማዊ ሰልፊ ከይንገልፅ ተኸሊእና ከንእከብ ብመንብዒ ጋዝ በቲኖምና ተወቒዕና ዝተኣሰሩ እውን ኣለዉ ይብሉ።

ኣብ ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ብዛዕባ እዚ ተሓቲቶም እንትምልሱ “ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ገጠር ዝርከብ ታሓራሲ መሬት ኣይሽየጥን ኣይልወጥን። ስለዚ ነዚ ብሕጊ ዝተኸልከለ ተግባር ዝፈፀሙ ኣማሓደርትን ደላሎን ብሕጊ ክሕተቱ ብፍላይ ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም ኣለዉ” ኢሎም።

“መንግስቲ ድማ ሕጊ ናይ ምኽባር ግቡእ ኣለዎ። ኩሉ ትሕቲ ሕጊ ክኸውን ኣለዎ። እቶም ዓደግቲ ድማ እናፈለጡ እዮም ናብ ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣትዮም” ብምባል ይገልፁ።

ብዛዕባ ምኽልካል ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ብሕጋዊ መንገዲ ሰልፊ ክንገብር ኢሉ ዝሓተተ ዝኾነ ይኹን ሰብ ወይ ውዳበ የለን። ዝተወቐዐ ወይ ድማ ዝተኣሰረ ጠራዒ እውን የለን ኢሎም ኣይተ ተስፋኣለም።

XS
SM
MD
LG