ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መረፃ ክልል ትግራይ ሎማዓንቲ ተኻይዱ


ኣብቲ መረፃ ብመራፅነት ዝተሳተፉ ሰባት ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኣብቲ መረፃ ንምስታፍ ናብ ጣብያ መረፃ ምምፀኦም ገሊፆም::

እቲ መረፃ "ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ጥራሕ ከምዝመሓደር ዘርኣየሉ ፍሉይ ዕለት እዩ" ኢሎም ኣለው መረፅቲ::

ኣብ ከተማ መቐለ ንህወሓት ወኪለን ዝተወዳደራን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዝነበራን ንባዕለን ካብስልጣን ኣፈ ጉባኤነት ዘግለላን ወይዘሮ ከሪያ ኢብራሂም "እቲ መረፃ ህዝቢ ትግራይኣብመድረኽ ዓለም ስሙ ክብ ዘበሎ ፀላእቱ ድማ ርእሶም ከድንኑ ዝገበረ እዩ" ኢለን::ንውድብ ናፅነት ትግራይ ወኪሉ ዝተወዳደሩ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ብወገኑ መረፃ ትግራይ ከም ካሊእ መረፃ ከይኮነስ ከምሪፍረንደም እዩ ዝቑፀር ኢሉ::

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ንዘይምሳታፍ ዝወሰነ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣብቲ ናይ ሎማዓንቲ መረፃ ህዝቢ ተገዲዱ እዩ ናብ መረፃ ወፂኡ ኢሉ::

ኣብ ራያ፣ፀገዴን ወልቃይትን ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብዝተኻየደ ምርጫ ብሓይሊ ክመርፁ ተግይሮም ክብሉ ሽሞም ክጥቀሰሎም ዘይደለዩ ነበርቲ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው ካብ ባህርዳር።


ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ነዚ ክምልሳ ከለዋ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ካብዘይምፍላጥን ምንዓቕን ዝተዘረበ ናይ ሓሶት ዘረባ እዩ ኢለን::

ኣብ ምዕራባውን ደቡባዊ ከባቢታት ትግራይ ከምካሊእ ከባቢ ትግራይ እቲ መረፃ ብድልየት ህዝቢ ዝተኻየደን ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ዝተኻየደሉን እዩ ኢለን::

ኣብቶም ከባቢታት ፀገም ፀጥታ ከምዘሎን ህዝቢ ብግዲ ክመርፅ ተገይሩ ተባሂሉ ዝተገለፀ ክፉእ ትምኒት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ እዩ እምበር ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ኣይኮነን ብምባል ህዝቢ ድማ ኣብዚ መረፃ ብበዝሒ ብምስታፍ ኣሕፊርዎም እዩ ክብላ ተዛሪበን::

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብምኽኒያት ሓዱሽ ዓመት ምስ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ቃለምልልስ ዘካየዱ ናይ ኢትይቶጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ከም ብጸልማት ብርሃን ወርሒ ተሓቢእካ ዝስራሕ ገዛ`ዩ፥ ከም ኩሎም ብለይቲ ተሓቢእካ ብስርቂ ዝስርሑ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾኑ ገዛውቲ፥ እቲ ናይ ክልል ትግራይ ምርጫ`ውን ዋጋ ዘይብሉ`ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG