ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሩት ዕብየት ኣእምሮ ንዘለዎም ህፃውንቲ ዝሕብሕብ ማሕበር ኣብ ትግራይ


ገለ ካብ ተጠቅምቲ'ቲ ማእከል ክንክን ህፃናት
ገለ ካብ ተጠቅምቲ'ቲ ማእከል ክንክን ህፃናት

ክልተ ኣደታት ብዓርሰ ተብግሶአን ኣብ ከተማ መቐለ ዘጣየሸኦ ገባሪ ሰናይ ማሕበር ን200 ግዳያት ዱሩት ዕብየት ኣእምሮ ንዘለዎም ሰባት ይሕብሕብን ብሞያ ዓርሶም ክኽእሉ የሰልጥንን’ሎ።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ውሻጠ ገዘኦም ተዓቢጠም ዝነበሩ ህፃውንትን መናእሰይን ናብ ሰቦም ክሕወሱ፣ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡን ብዝተፈላለዩ ክእለታት ክስልጥኑን ልዑል ፃዕሪ ተኻይዱ ርኡይ ለውጢ ተመዝጊቡ’ሎ። ሓንቲ ካብተን መስረትቲ ወ/ሮ ኤልሳ ላኣከ እቶም ግዳያት ህፃውንቲ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ማዕረ መሰል ክረኽቡ ዜግነታዊ መሰሎም ብተግባር ንምርግጋፅ እዩ ዕላማና ይብላ።

እቲ ማሕበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ቦታ ፀገም እዩ ዘለዎ ዝብላ ወ/ሮ ኤልሳ ስለዝኾነ ድማ እኹል መምሀሪ፣ መፃውቲ፣ መሰልጠንን መስርሕን ቦታ ክንረክብ ኣይከኣልናን ይብላ። ነዚ ድማ መንግስቲ እወንታዊ ምላሽ ከምዝህበና ትስፍዋት ኢና ኢለን።

እቶም ህፃውንቲ ዘለዎም ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ደገን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ነቲ ማሕበር ክድግፉ ፀዊዐን።

ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተግብረ መፅናዕቲ ልዕሊ 11 ሽሕ ሰባት ግዳያት ዱሩት ዕብየት ኣእምሮ ምዃኖም ማሕበራዊ ጉዳያት እቲ ክልል ዘፅነዖ ሓበሬታ ይገልፅ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:33 0:00

XS
SM
MD
LG