ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ብብርቱዕ ተምላስን ውፅኣትን ልዕሊ 300 ሰባት ምሕማሞምን ክልተ ምሟቶምን ተፈሊጡ


 ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣቶ ጎይትኦም ጊጋር
ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣቶ ጎይትኦም ጊጋር

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ፍርቂ ሰነ ጀሚሩ ብዝተልዓለ ለበዳ ብርቱዕ ተምላስን ውፅኣትን "ኣፃዳፊ ተምላስን ማያዊ ውፅኣትን" ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝሓመሙን ሓደ ህፃን ሓዊሱ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።እቲ ሕማም እናተጋፍሐ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ስኽፍታ እንተሃለወ እውን ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኣይኮነን ኢሎም ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣቶ ጎይትኦም ጊጋር።

ኣብ ሰለስተ ዞባታት ክልል ትግራይ ካብ ፍርቂ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ካብ ዝልዓል ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር ሰፊሕ ስራሕ እናተሰርሐ ፀኒሑ ይብሉ ኣቶ ጎይትኦም።

ኣብ ሓድ ሓደ ወረዳታት፣ ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ደቡብ ምብራቕን ከምኡ እውን ኣብ ከተማ መቐለ እናተርኣየ ከምዝፀንሐን ብምዝኽኻር ዛጊድ ኣብ ምሉእ ትግራይ ኣስታት 300 ሰባት በቲ ሕማም ተታሒዞም ኣለው ኢሎም።

‘’ኣብ ኢደይ ብዘለኒ ሓበሬታ ዛጊድ ክልተ ሰባት ሞይቶም እቲ ሓደ ህፃን እዩ’’ኢሎም።

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ፍርቂ ሰነ ጀሚሩ ዛጊድ ኣስታት 170 ሰባት ከምዝሓመሙ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።ብተነፃፃሪ ካብተን ካልኦት ዞባታት ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና ክህልዎ ኣብዝእመነሉ ከተማ መቐለ ክንድዚ ዝኣክል ሰብ ምሕማሙ ካብ ቁፅፅር ይወፅእ ከይህሊ ንዝቐረበ ሰኸፈት ሕሙማት ኣብ ሓደ ግዜ ናብ ሆስፒታል ብምምፅኦም ዝተፈጥረ ምጭንናቕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና እንተሃለወ እውን ከቢድ ሕፅረት ዝስተ ማይ ስለዘሎ እቲ ሕማም ክጋፋሕ ካሊእ ምኽንያት ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ብምምዳብ ዝለዓለ ምርብራብ ስለዝገበረ ህይወት ሰብ ክድሕን ክኢሉ ኢሎም።

እቲ ሕብረተሰብ ዘይትሓከመ ማይ ከይሰቲ፣ዝጠራጠር እንተድኣ ኮይኑ ክኣ እናፍልሐ ክሰቲ ናይ ባዕሉን ከባቢኡን ፅረየት ክሕሉን ፀዊዖም ኣቶ ጎይትኦም።

ምስ ኣቶ ጎይትኦም ዝተኻየደ ምሉእ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:17 0:00

XS
SM
MD
LG