ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅድመ ምርጫ ፖለቲካዊ ምብርባራት፣ጥርዓናት ተቓወምትን መልሲ ገዛእቲ ውድባትን ቦርድ ምርጫን ኣብ ኢትዮጵያ (2ይ ክፋል)


National Eletorial Board Ethiopia
National Eletorial Board Ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ 23 ነሓሰ 2012 / ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ንምስታፍ ፖለቲካዊ ውድባት ምዳላዋት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።ይኹን እምበር ኣኼባታትን ፖለቲካዊ ምልዕዓላትን ንምክያድ ተቓወምቲ ውድባት ሎሚ እውን ይፅገሙ ከምዘለው ይገልፁ።

ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ዓረና ትግራይን ሳልሳይ ወያነን ናይ ትግራይ ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባርን ዕንቅፋት የጋጥመና ኣሎ ኢሎም ክሲ የቕርቡ።

ክልላዊ መንግስትኒ ትግራይ ግን ንቶም ጥርዓናት ይነፅጎም።ህውሓት፣ዓረና ትግራይ፣ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይን ንምርጫ ዘካየድዎ ዘለው ምድላዋትን እቲ ምርጫ ሰላማዊ፣ዴሞክራሲያዊን ተኣማኒን ንክኸውን ክግበሩ ዘለዎምን ዘርዚሮም ኣለው።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG