ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅድመ ምርጫ ፖለቲካዊ ምብርባራት፣ጥርዓናት ተቓወምትን መልሲ ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን (3ይ ክፋል)


Dr. Getahun Kassa
Dr. Getahun Kassa

ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ 23 ነሓሰ 2012 ዓ/ም ዝካየድ ምርጫ ሰላማዊ፣ዴሞክራሲይዊ፣ተኣማኒን ኣሳታፊን ንክኸውን ዘድሊ ቅድመ ምድላው ይግበር ከምዝፀንሐን ከምዝቐፀለን ኣባል ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጌታሁን ካሳ ገሊፆም።

ቦርድ ምርጫ ብመሰረት ዘውፅኦ ሰሌዳ ግዜ ወፍሪ ምርጫ ዝካየደሉ እዋን ካብ 21 ግንቦት ክሳብ 18 ነሓሰ 2012 ዓ/ም እንተኾነ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት የካይድዎ ዘለው ወፍሪ ምርጫ ዝመስሉ ምብርባራት ብዝምልከት ክስታት ከምዝቐረቡን ቦርድ ምርጫ እውን ኣብ ሓባራዊ መድረኽ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባት ከምዘተሓሳሰቦምን በዚ ዘይግዛእ እንተሃሊዩ ግን ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ከምዝወስድን ዶ/ርጌታሁን ገሊፆም።

ተቓወምቲ ውድባት ብገዛኢ ፓርትን ኣካልት መንግስትን ይወርደና ኣሎ ዝበሉዎም መረረታት መልሲ ክህብሉ ንክልላዊ መንግስታትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ደብዳቤ ምፅሓፎም ገሊፆም።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG