ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅድመ ምርጫ ፖለቲካዊ ምብርባራት፣ጥርዓናት ተቓወምትን መልሲ ገዛእቲ ውድባትን ቦርድ ምርጫን ኣብ ኢትዮጵያ (1ይ ክፋል)


ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመታት ዶ/ር ኣብይ ኣህመድ ናብ ስልጣን ዘምፅአ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ለውጥታት መፂኦም እዮም።ኢትዮጵያ ድሕሪ 28 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ኢህወዴግ ዘይብሉ ምርጫ ንምክያድ ማዕልቲ ተቖሪፁ ኣብ ምቅርራብ ትርከብ።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዘውፅኦ ናይ ግዜ ሰለዳ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት 23 ነሓሰ 2012 ዓ/ እዩ። ወፍሪ ምርጫ ብወግዒ ዝጅመረሉ እውን 21 ግንቦት 2012 ዓ/ም ክኸውን ተወሲኑ’ሎ።

ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ፖለቲካዊ ባይታ ኢትዮጵያ፤ፖለቲካዊ ኣኼባታትን ምልዕዓላትን ንምክያድ ቅድሚ ሎሚ ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን እናሃለወ ይስምዑ ዝነበሩ መረረታት ሎሚ እውን ምስምዖም ኣይተረፈን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ምስ ህዝቢ እናተራኸቡ ዘካይዱዎም ዘለው ኣኼባታት ናይ ወፍሪ ምርጫ ዝመስሉ ዘረባታትን መልእኽትታትን ይስምዑ ብምህላዎም ካብ ሕጊ ወፃኢ ወፍሪ ዝጀመሩ ኣለው ኢሎም ቅሬታታት ዘስምዑ ወገናት እውን ኣለው።

ክስታትን ቅሬታትን ካብ መንጎ ዘቕረቡ ውድባት ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ/ኢዜማ/፣ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንረስ፣/ኦፌኮ/፣ግንባር ሓርነት ኦሮሞ/ኦነግ/፤ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ፣ናይ ዓረና ትግራይን ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ገሊኦም እዮም።መልሲ መንግስትን ገዛእቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ እውን ቀሪቡ’ሎ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG