ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ሕቶ መንነት ህዝቢ ቁጫ መልሲ ኣይረኸበን’ ተወከልቲ ህዝቢ


ሕቶ መንነት ህዝቢ ቁጫ መልሲ ኣይረኸበን ይብሉ ውክልና ህዝቢ ረኺብና ዝበሉ ሰባት።ብናይ ወረዳ ህዝቢ ግፍዒ ከምዝፍጸሞም እውን ተዛሪቦም።ቤት ምኽሪ ፌደረሽን እቲ ሕቶ ዝቐረበሉ እንተኾነ እውን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንድምጺ ኣሜሪካ መግለጺ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ውክልና ህዝቢ ኣለና ዝበሉ ኣቶ እንድሪያስ ሃፒሳን ኣቶ ሃይለ ኣይሳን ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበገለጽዎ እቲ ህዝቢ ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ ቤት ምኽሪ ብሄር፣ ብሄርሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ሕቶ መንነት እንተቕረበ እውን መልሲ ኣይተውሃቦን ኢሎም።

ቁጫ ካብ ካልኦት ዝፈልዮ ኣቀማምጣ መሬት፣ባህሊ፣ቋንቋ፣ህልውናን ስነልቦና ዘለዎ ህዝቢ ስለዝኾነ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ መሰላቱ ይትሓለወሉ ይብል ናብቲ ክልል ዝኣተወ ጥርዓን።

ስሞም ክግለጸሎም ዘይደለዩ ካልኦት ክልተ ሰባት ሕቶ ስለዘቕረቡ ጥራሕ ካብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ጀሚሩ ኣስታት 40 ሰባት ሎሚ እውን ተኣሲሮም ከምዝርከቡን ሕጂ’ውን መውቃዕትን ዓፈናን ቀጺሉ’ሎ ይብሉ።

እቶም ወኪላት ህዝቢ ኢና ዝበሉ ከምዝብሉዎ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ናብ ኣብያተ ምኽሪ ክልልን ፌደረሽንን ን32 ግዜ ከምዝተመላለሱን ግን መልሲ ከምዘይረኸቡን ይገልጹ።

ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ንድምጺ ኣሜሪካ መግለጺ ኣይህብን ኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG