ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣስሩ ክልተ ስውዲናዊያን ጋዜጠኛታት ምሕረት ኽሓቱ ወሲኖም


ብናታቶም ቃላት ኣብ ኢትዮጵያ ይቕረ ናይ ምባል ዝፀንሐ ባህሊ ስለዘሎ ንሕና’ውን ነዚ ባህሊ እዚ መሪፅና ኣለና ኢሎም

ክልተ ስውዲናዊያን ጋዜጠኛታት ምሕረት ኽሓቱ ወሲኖም

መግስታት ኢትዮጵያን ስዊድንን ዕፃ እቶም ጋዜጠኛታት ብዝምልከት ዝርርብ እናካየዱ እዮም ተባሂሉ

ብኽስታት ግብረ ሽበራ ኣብ ኢትዮጵያ ማእሰርቲ ዝተፈረዶም ክልተ ስውዲናዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ ክንዲ ይግባይ ምሕረት ንምሕታት ወሲኖም። ሃይንለይን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝለኣኾ ፀብፃብ ገብረ ከቕርቦ እዩ።

ጋዜጠኛታት ማርቲን ሽብየን ዮሃን ፐርሰንን ሕጋዊ ብዘይኮነ ኣገባብ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታውን ንናዕበኛ ጉጅለ ብምሕጋዝን ክስታት ንዝተፈረዶም ናይ 11 ዓመታት ማእሰርቲ ይግባይ ከምዝይብሉ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጦም።

ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ምሕረት ከምዝሓቱ ሓፂር መግለፂ ኣውፂኦም ኣለው።እቲ መግለፂ ናይ ዮሃን ፐርሰን ወላዲ ኬል ፐርሰን ኣብ ስዊድን ካብዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ብቴሌፎን ኣቢሎም ኣንቢቦምዎ። ብናታቶም ቃላት ኣብ ኢትዮጵያ ይቕረ ናይ ምባል ዝፀንሐ ባህሊ ስለዘሎ ንሕና’ውን ነዚ ባህሊ እዚ መሪፅና ኣለና ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስዊድን ኣምባሳደር የንስ ኦድላንደር ዕፃ እቶም ጋዜጠኛታት ብዝምልከት ክልትኣዊ ዝርርብ እናተኻየደ ከምዝኾነ ሓቢሮም ኣለው።ከምዚ ብምባል ‘’ ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ስዊድንን ቀፃሊ ዝርርብ እናተኻየደ እዩ።’’

ሽብየን ፐርሰንን ምስ ተዋጋእቲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኮይኖም ናብ ክልል ሱማሊያ ክኣትዉ ኣብዝፈተንሉ እዋን እዮም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ቁፅፅር ዝኣተው።ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ብሕጊ ምስ ዝተኸልከለ ጉጅለ ካብ ስሩዕ ናይ ጋዜጠኝነት ሙያ ወፃኢ ንሽብር ደጊፍኩም ክብል ኣብ ልዕሊኦም ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ፍርዲ ሂቡ።

XS
SM
MD
LG