ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዕሎ ቤት-ፍርዲ መራሕቲ ተቃወምቲን ጋዜጠኛን ኣብ ኢትዮጵያ


መራሒ ኣንድነት ብኣተሓሕዛ እቶም እሱራት ንመንግስቲ ይነቅፉ

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኢትዮዽያ፣ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኣንዱዓለም ኣራጌ ንዝቀረበ ክሲ ንምስማዕ ካልእ ቆፀራ ሂቡ።ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ዝፍፀም ዘሎ ተግባር፣ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣሓሰ‘ዩ ክብሉ ከሲሶም መድረክ።

ናይ ፓርቲ ኣንድነት ምክትል ሊቀ-መንበርን ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ዝነበሩ ኣቶ ኣንዱዓለም ኣራጌ ሓዊስካ ካብ ሞንጎ ዝተኸሰሱ 24 ሰባት ናብ‘ቲ ቤት-ፍርዲ ዝቀረቡ 8 ተኸሰስቲ ጥራሕ‘ዮም።

ካብ ታሽዓይ ክሳብ 24 ዝተጠቅሱ ተኸሰስቲ ብጋዜጣ መፀዋዕታ ቀሪብሎም እንተኾይኑ ዳኛ ንዓቃቢ-ሕጊ ሓቲቶም፣ዓቃቢ-ሕጊ እወ ዝብል ምላሽ ሂቡ‘ሎ።

ጠበቃ ኣቶ ኣንዱዓለም ኣራጌ፣ኣቶ ናትናኤል መኮንንን ኣቶ እስክንድር ነጋን ኣቶ ደርበው ተመስገን ቀሪቦም ነይሮም።ካልኦት ጠበቃ ንክዋሃቦም ዝሓተቱ ተኸሰስቲ‘ውን ናብ ቅድሚ ዳኛ ቀሪቦም‘ለው።

ሻምናይ ተኸሳሲ ኣቶ ኣንዱዓለም ኣያሌው፣መንግስቲ ጠበቃ ንክምድበሎም ሓቲቶም‘ለው።ኣቶ ክንፈሚካኤል ደበበ ዝተባሃሉ ሓምሻይ ተኸሳሲ ግና፣ መንግስቲ ባዕሉ ከሲሱ፣ባዕሉ ጠበቃ ክምድበለይ ኣይሓትትን።ናይ ባዕለይ ጠበቃ ንክረክብ እኹል ጊዜ ስለዘይነበረኒ፣ቤት ፍርዲ ሓደ ሰሙን ዕድል ይሃበኒ ክብሉ ሓቲቶም።

ኣቶ ደርበው ተመስገን ብወገኖም፣ምስ ዓሚሎም ተራኺቦም ንክዘራረቡ ጊዜ ስለዘይረኸቡ ተወሳኺ ጊዜ ይዋሃበኒ ክብሉ ሓቲቶም።እቲ ቤት-ፍርዲ ጠበቃ ዘይሓዙ ተኸሰስቲ ምስ ጠበቃኦም ንክቀርቡ ወሲኑ‘ሎ።ቆፀራ ን13 ሕዳር 2004 ሂቡ‘ሎ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ዛጊድ ዝተራኣዩ መስርሓት ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝልለ‘ዩ፣እናማረርካ ምንባር እኹል ኣይኮነን‘ውን ኢሎም ኣቦ-መንበር ፓርቲ ኣንድነት ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ።

“ኣሰራርሓኦም ንሰብኣዊ መሰላት ዝግህስ‘ዩ።ስለዚ ነዚ መንግስቲ‘ዚ ስቅ ኢልና ክንሪኦ የብልናን።ካብኡ ሓሊፍካ ክኽሰስ ኣለዎ።እዚ መንግስቲ‘ዚ ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክኽሰስ ኣለዎ” ይብሉ ዶ/ር ነጋሶ።

ዓቃቢ-ሕጊ ኢትዮዽያ ን24 ሰባት ብገበን ፈጠራ ራዕዲን ክሕደትን ዝሓለፈ ሰሙን ምኽሳሱ ዝዝከር‘ዩ።እንተኾነ ትሕዝቶ‘ቲ ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ተነቢቡ፣ካብ ተኸሰስቲ መልሲ ኣይተሰምዐን ዘሎ።ኣብ ዝመፅእ መዓልቲ ቆፀራ ክሳለጥ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

XS
SM
MD
LG