ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ መራሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲን ጋዜጠኛን ኢትዮጵያ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም


ብፈጠራ-ራዕዲን ክሕደትን ተከሲሶም

ዓቃቢ-ሕጊ ኢትዮዽያ ንምክትል ሊቀ-መንበር ፓርቲ ኣንድነት ኣቶ ኣንዱዓለም ኣራጌ ሓዊሱ ን24 ሰባት ብፈጠራ ራዕዲን ብክሕደትን ከምዝኸሰሰ ተገሊፁ።መብዛሕተኦም ተኸሰስቲ ኣብ ዘይተረኸቡሉ‘ዮም ክሲ ቀሪብዎም።

ዓቃቢ-ሕጊ ትማሊ ክሲ ዘቅረበሎም 24 ሰባት ክኾኑ ከለው፣እቶም ሸሞንተ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም፣እቶም ዝተረፉ ግና ኣብ ዘይተረኸቡሉ‘ዮም ተኸሲሶም።

ካብ ፓርቲ ኣንድነት ዝተኸሰሱ ምክትል ሊቀ-መንበር ኣቶ ኣንዱዓለም ኣራጌ፣ኣባል ቤት ምኽሪ ኣንድነት ኣቶ ናትናኤል መኮንን ከምኡውን ውሩይ ጋዜጠኛ ኣቶ እስክንድር ነጋን ይርከብዎም።

ዓቃቢ-ሕጊ ኢትዮዽያ ሽዱሽተ ክሲታት ኣትሒዙ‘ሎ።ቀዳማይ ክሲ ኩሎም ተኸሰስቲ ተግባር ፈጠራ ራዕዲ ብምውዳድ፣ብምትላምን ንክፍፀም ብምልዕዓልን ብምድላውን ገበን ተኸሰስቲ‘ዮም ይብል።

እቲ ካልኣይ ክሲ፣ካብ ቀዳማይ ክሳብ መበል 18 ተኸሰስቲ ዝቀረበ ኮይኑ፣ ተግባር ግብረ-ሸበራ ንክፍፀምን ንከፍፅሙን፣ኣብ ሕቡእ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ብመሪሕነት፣ውሳነ ብምሃብ፣ተግባር ፈጠራ ራዕዲ ንክፍፀም ንሰባት መልሚሎም ኢሉ ይኸስስ።ኣብ መበል 19ን 20ን ዝተጠቅሱ ድማ ኣብ ግብረ-ሸበራ ተሳቲፎም ኢሉ ይኸስስ።

ራብዓይን ሓምሻይን ክሲታት ከቢድ ክሲ ክሕደትን ስለያን ዝሓቆፈን ንኩሎም ተኸሰስቲ ዝምልከትን‘ዩ።ዓቃቢ-ሕጊ ኣብ ራብዓይ ተኸሰስቲ ዘቅረቦ ክሲ ከምዝሕብሮ፣ምስ መንግስቲ ኤርትራን መራሕቲ 7 ግንቦትን ብምስጢር እናተራኸቡ፣መንግስቲ ኤርትራ ተግባር ፈጠራ-ራዕዲ ንክፍፅም ንክጥዕሞን ክዕወትን ስለዝሓገዙ ከቢድ ክድዓት ፈፂሞም‘ዮም ይብል።

ዓቃቢ-ሕጊ ዘቅረቦ ሻድሻይ ክሲ፣ንጋዜጠኛ መስፍን ነጋሽን ኣብዪ ተ/ማርያም ዝምልከት ኮይኑ፣ንጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲ ከምዝሓገዙ ይጠቅስ።
ትማሊ ነቲ ከይዲ ፍርዲ ይከታተሉ ዝነበሩ ኣቦ-መንበርን ርክብ ህዝቢ ፓርቲ ኣንድነት ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ፣ኣባል ኣንድነት ኣቶ ናትናኤል መኮንን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝኣሰርዎም ተፈፂሙኒ ንዝበልዎ ስቅያት ንቪኦኤ ገሊፆም።

ኣብ ዝርዝር ተኸሰስቲ ካብ ሞንጎ ዝተጠቅሱ፣ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ፣ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ፣ኣቶ ፋሲል የኔአለምን ኮሌኔል ኣለበል ኣማረን ይርከብዎም።

XS
SM
MD
LG