ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ውድባት ብሽበራነት ሰይሙ


እቶም ተቓወምቲ ብወገኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውጥረት ምስ ኣተወ፡ ኣንፈት ንምስሓት ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ`ዩ ይብሉ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ከምኡ`ውን ግንቦት-7 ብሽበራነት ክውንጅሎም መጀመሪኡ ኣይኮነን። ኣብ ፓርላማ ተጸዋዒት መንግስት ሚንስተር ወ/ሮ ኣስቴር ማሞ ክገልጻ ከለዋ፡ “መንግስትን ህዝብን ዝገብሮ ጸረ-ሽበራ ቃልሲ፡ ብሕጊ ንምድጋፍ መታን ክከኣል፡ ባይቶ፡ ጸረ-ሽበራ ኣዋጅ ኣውጺኡ`ሎ፡ እቶም ውድባት ብሽበራነት ዝስየምሉ ስርዓት`ውን ደንጊጉ`ሎ” ኢለን።

እቶም ውድባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ፈጺሞሞ ዝበልኦ ቕትለታትን ዕንወታትን`ውን ዘርዚረን።

ግንባር ሓርነት ኦጋደን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “መንግስቲ ወያነ ከምኡ ዓይነት ናይ ፕሮፓጋንዳ ስርሓት ዝሰርሕ ክጭነቕ ከሎ`ዩ…ስለ ነቲ ውጥረት ኣንፈቱ ንምስሓት ዝገብሮ ዘሎ ከንቱ ጻዕሪ`ዩ” ኢሉ።

ግንቦት-7 ብወገኑ፡ መንግስታት ናይ መጨረሻ መዓልትታቶም ክበጽሕ ኸሎ ዝገብርዎ ስራሕ`ዩ ኢሉ። “ ሎሚ ዘሎ ኩነታት ዓለም፡ ንውልቀ-ምልካውያን ስርዓታት ዕድል ዘይህብ ምዃኑ ግልጺ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ” “ሂላሪ ክሊንተን`ውን ለንቅነ ነጊራቶም`ያ ዝሰምዑ እንተኾይኖም” ኢሎም መስራትን ኣቦ-መንበርን ግንቦት-7 ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ።

ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ብወገኑ ነቲ መንግስቲ ዘቕረቦ ክሲ ምላሽ ክህበሉ ኸሎ መንግስቲ ንባዕሉ ሽብርተኛ`ዩ፡ ኣብ ኦጋደን በብመዓልቱ ጾታን ዕድመን ከይፈለየ ሰለማውያን ሰባት ዝቐትል ዘሎ መንግስቲ ወያኔ`ዩ ኢሉ። “ኣብ ምርጫ 2005 እንተዘየሸነፍኩ ኢሉ 200 ሰባት ዝቐተለ`ዩ”።

ምሉእ መደብ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG