ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ምቅራብ መርተዖታት ኣንፃር መራሕቲ ተቃውሞ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ተዛዚሙ


ገሊኦም ድምፂታት ግና ዝስምዑ ስለዘይኮኑ ተኣሪሞም ንክቀርቡ ቤት-ፍርዲ ኣዚዙ

ዓቃቢ-ሕጊ ኢትዮዽያ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ኣራጌ ዝጀመሮ ምቅራብ መርተዖ ሎሚ ዛዚሙ።

እቲ ዓቃቢ-ሕጊ ኣብ ልዕሊ 24 ተኸሰስቲ (ሸሞንቲኦም ብኣካል ዝቀረቡ‘ዮም) ሽዱሽተ ክስታት ተታሒዝዎሞ‘ሎ፣ክሕግዙኒ‘ዮም ኢሉ ንዝኣመነሎም ናይ ሰብን ካልኦት መርተዖታትን ከምዝዛዘመ ሎሚ ኣፍሊጡ‘ሎ።

ሎሚ ዝተሰምዑ ናይ ድምፂ መርተዖታት ብሕጋዊ መንገዲ ዝተጠለፉ ቴሌፎናት ምኻኖም ጠቂሱ‘ሎ ዓቃቢ-ሕጊ።እንተኾነ መብዛሕተኦም እቶም ዝተቀድሑ ድምፂታት ዘይስምዑ‘ዮም።

ተኸሰስቲ ኣቶ እስክንድር ነጋን ምስ ኣቶ ኣበበ በለውን ዝገበርዎ ናይ ስልኪ ዝርርብ ዘይስማዕ ስለዝኾነ፣ጠበቃ ተኸሳሳይ ቅሬተኦም ከምዝገለፁን፣እቲ ብፅሑፍ ተገልቢጡ ዝተዋሃበን ኣብ‘ቲ ድምፂ ዘሎን ዘይቃዶን ምኻኑን ንቤት-ፍርዲ ገሊፆም።

ዓቃቢ-ሕጊ ብወገኑ፣ናይ‘ቲ ዝተቀረበ ድምፂ ቅዳሕ ኣብ ፅሑፍ ከምዘይተዳለወን፣ንካልእ መዓልቲ ሒዙ ከምዝመፅእ ሓቢሩ‘ሎ።

ካልእ ኣብ ሞንጎ ኣቶ እስክንድር ነጋን ነባሪት ካናዳ ምስ ዝኾነት ጋዜጠኛ ወ/ሮ ብዙ ወንድማገኘሁ ዝተካየደ ቃለ-ምልልስ‘ዩ።ኣብ‘ቲ ቃለ-መሕትት፣
ብናትካ ኣረኣእያ ህዝቢ ንናዕቢ ተቀሪቡ ዘሎ‘ዶ ይመስለካ? ንዝብል ሕቶ ኣቶ እስክንድር ነጋ ”ህዝባዊ ናዕቢ ንክውላዕ መበገሲ ዝኾኑ ጠንቅታት ኣብ ኢትዮዽያ‘ውን ኣለው፣እዚ ማለት ግና ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተኸሰቱ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኢትዮዽያ‘ውን ክላዓል‘ዩ ማለት ኣይኮነን” ዝብል መልሲ ይህቡ።

ኣቶ እስክንድር ነጋ፣ኣብ ሞንጎ ሰራዊትን ህዝቢን፣ሰራዊትን መንግስቲን ዘሎ ርክብ ከምኡውን ሰራዊት ንለውጢ ዕንቅፋት‘ዶ ክፈጥር ይኽእል? ንዝብል ሕቶ ”ሰራዊት ብመንፅር ዝተላዕሉ ርክባት፣ኣብ ኢትዮዽያ ሰላማዊን ሕጋዊን ለውጢ እንተተፈጢሩ፣ዝሕዞ መርገፂ ነፂርካ ንምፍላጥ ከምዘይካኣል ገሊፆም፣ሰራዊት ግብፂ ዝሓዞ መርገፂ ከምመራጎዲ ተጠቂሞምሉ” ይብል እቲ ዜና።

ቤት ፍርዲ ንዓቃቢ-ሕጊ ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ፣ቅዳሕ ክሲ ብፅሑፍን ብሲዲን ንቤት-ፍርዲን ንተኸሰስቲን ከቅርብ ኣዚዙ‘ሎ።ተኸሰስቲ ንዝቀረቦም ክሲ መልሲ ክህቡ ወይካኣ ብናፃ ክሰናበቱ እንተኾይኖም ንምውሳን ንካልእ መዓልቲ ቆፀራ ሂቡ ናይ ሎሚ ውዕልኡ ዛዚሙ‘ሎ ይብል መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG