ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቃቢ ሕጊ ኣባላት ግንቦት ሸውዓተ ንዝበሎም 20 ሰባት ኸሲሱ


Amharic Ethiopia Program Banner
Amharic Ethiopia Program Banner
ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ መዓስ ከምዝተኣሰሩ ዘይተገለፁ ኣባላት ግንቦት ሸውዓተ ብምዃንን ተሓባቢሮም ናይ ሽብር ገበን ፈፂሞምን ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 20 ሰባት ዓርቢ ክሲ መስሪቱ።ጠበቓ ዘቕረቦ ተቓውሞ እቲ ቤት ፍርዲ ውዱቕ ገይሩዎ።

ብዘይካ ሓደ ሰብ ብዘየለሉ ጉዳዩ ንኽርአ ዝተወሰነ ኩሎም ኣብ ቀዳማይ መዝገብ ዝተኸስሱ 10 ሰባት ብመንግስቲ ሽብርተኛ ተባሂሉ ምስ ዝተመደበን ንባዕሉ ግንቦት ሸውዓተ እናበል ዝፅውዕን ኣሸባሪ ውድብ ኣባልን መሪሕ ኮይኖምን ይብል።ብእኒ ብርጌደር ጀነራል ተፈራ ማሞን ካልኦት ናይ ክሲ መዛግብቲ ናይ ሞትን ማእሰርትን መቕፃዕቲ ምስ ዝተበየኖም ኣንዳርጋቸው ፅጌን ፋሲል የኔኣለምን ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት መራሕቲ ኣሸባሪ ውድብ ብኣካልን ብኻልኦት ናይ መራኸቢ ኣገባባትን ብምርኻብ ዝተፈላለዩ ገበናት ዝበሎም ተግባራት ፈፂሞም ይብል።

ኣብ ኤርትራ ናብ ዝርከብ ናይ ግንቦት ሸውዓተ መሰልጠኒ ብምኻድ ስልጠና ምውሳዶም፣ትእዛዝ ተቐቢሎም ናብ ውሽጢ ሃገር ምምላሶም፣ዝርዝር ዝቕተሉ ሓለፍቲ መንግስቲ ምውፃኦም ኣብቲ ኽሲ ተዘርዚሩ’ሎ።

እቶም ተኸሰስቲ ኣፅዋርን ኣልባሳትን ምዕዳጎምን ንግንቦት ሸውዓተ ኣባላት ብምምልማልን ዝተመልመሉ እውን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታውን ተኸሲሶም።
ናይ ተኸላኻሊ ጠበቓ ዘቕረቦ ናይ ኽሲ ተቓውሞ እውን እቲ ቤት ፍርዲ ውዱቕ ብምግባር እቲ ኽሲ ንክቕፅል ወሲኑ’ሎ።

ኩሎም ተኸሰስቲ ዝተዘርዘሩ ገበናት ኣይፈፀምናን ክብሉ ነቲ ቤት ፍርዲ ገሊፆም።ዓቃቢ ሕጊ መርትዖታቱ ንከቕርብ እቲ ቤት ፍርዲ ን10 ሕዳር 2006 ዓ/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።
ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብቲ ካልኣይ መዝገብ ዝኸስሶም ዓሰርቲ ሰባት እንትኾኑ ካብዚኦም እቶም ክልተ ጉዳዮም ኣብዘየለውሉ ክርአ እዩ።

እቲ ኽሲ ኣባላት ሽብርተኛ ተባሂሊ ዝተመደበ ግንቦት ሸውዓተ ብምዃን ከምኡ’ውን ናይዚ ኣሸባር ጉጅለ ክንፊ ዝተብሃለን ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ምንቅስቓስ ክብል ንባዕሉ ናይ ዝፅውዕን ኣሸባሪ ውድብ ኣባል ብምዃን፣ኣባላት ብምምልማል፣ብሕቡእ ኣኼባ ብምክያድ፣ወታደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ንምውሳድ ናብ ኤርትራ ብምኻድ፣ናብ ኤርትራ ዝኸዱ ኣባላት ብምምልማልን ብምውዳብን ብዝፈፀምዎ ገበን ተኸሲሶም ይብል። ኩሎም ተኸሰስቲ ዝተባሃለ ገበን ከምዘይፈፀሙ ነቲ ቤት ፍርዲ ተዛሪቦም።ዓቃቢ ሕጊ መረዳእትኡ ንከቕርብ እቲ ቤት ፍርዲ ን8 ታሕሳስ 2006 ዓ/ ቆፀሮ ሂቡ።
XS
SM
MD
LG