ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዕሎ ቤት ፍርዲ ኣባላት ግንቦት-7 ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ


Federal Court
Federal Court
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮዽያ፣ኣባላት ሸውዓተ ግንቦትን ምንቅስቃስ ግብረ-ሸበራን ተባሂሎም ናይ ዝተኸሰሱ ትሻዓተ ሰባት ቃል ከምዝተቀበለ ተገሊፁ።

ካብ ሞንጎ‘ቶም ትሻዓተ እቶም ሸውዓተ እቲ ዝቀረቦም ክሲ ኣይዋዓልናዮን ኢሎም ነፂጎምዎ‘ለው።ሻድሻይ ተኸሳሲ ግና፣እቲ ዓቃቢ-ሕጊ ዘቅረቦ ክሲ ዝፈፀምኩ፣ብዘይፍላጥ ስለዝኾነ ቤት-ፍርዲ ብናፃ የፋንወኒ ዝብል መልሲ ሂቡ።

ሻምናይ ተኸሳሲ ብወገኑ ምስ ሻድሻይ ተኸሳሲ ዝምድና ስለዘለና ብሕድሪ ኣፅነሐለይ ንዝበለኒ ሓደ ክላሽንን ሰለስተ ሙሉእ ካርታ ጠያይትን ተቀቢለዮ፣ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ ኣለቅሐኒ ኢሉኒ ሂበዮ‘የ ኢሉ።

ተኸሳሲ ፀጋው ካሳ በዚ ምኽንያት‘ዚ ከምዝተታሓዝኩ ኣይፈለጥኩን፣ፖሊስ ክሕዘና ከሎ‘ውን ከቢድ ድብደባ ገይሩልና ኢሎም።ኣባል ሸውዓተ ግንቦት ድዮም? ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ፣ዝተኣሰርኩሉ ዕለት ሰለስተ ግንቦት‘ዩ፣ ሸውዓተ ግንቦት ዝብል ቃል ዝሰማዕክዎ ኣብ እዋን ምርመራ‘ዩ ኢሎም።

ዓቃቢ-ሕጊ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መልሰ-ነገር፣ክልቲኦም ተኸሰስቲ ኣባላት ሸውዓተ ግንቦት ኣይኮናን እንተበሉ ግብሮም ግና ኣሚኖም‘ዮም።ኣብ ልዕሊ‘ቶም ካልኦት ተኸሰስቲ ዘለኒ መርተዖ ካልእ ጊዜ ከቅርብ‘የ ኢሉ‘ሎ ይብል ሪፖርት መለስካቸው ኣምሃ።
XS
SM
MD
LG