ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ፀጥታ ሓለውኦም ኣጠናኺሮም ኣለው ኢሎም ኮምሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ


Ethiopia
Ethiopia
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፉ ጉጅለታትን ኣል-ሸባብን ናይ ሽብር መጥቓዕቲ ንምፍፃም ውዲት ይኣልሙ ኣለው ኢሉ ትማሊ ሰሉስ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምውፅኡ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ህዝቢ ኮይኑ ሓለውኡ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ ኢሎም ኮምሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ።

ኣብ ኩሎም ናይ መንግስቲ ትካላት፣ወረዳታትን ከባቢታትን ሓለዋ ፖሊስ ተጠናኺሩ ቀፂሉ’ሎ ዝበሉ ኮምሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ይሕደጎ ስዩም ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍንጀራ ዝፈፀሙ ሱማሊያዊያን ምዃኖም ምርግጋፁ ብምግላፅ ከምዚ ኢሎም።’’ትማሊ ዝተውሃበ መግለፂ መንግስቲ ኤርትራን ምስ ኣል-ሽበባ ብዝተኣሳሰረን ዘሎ ስግኣታት ንሓደጋ ከየሳጥሐና ህዝቡ ይኹን ሓይልታት ፀጥታ ሓቢሮም ንኽሰርሑ ሓበሬታ ንምሃብ እዩ’’ኢሎም።

ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ሎሚ ንፈለማ እዋን ዝተርኣየ ከምዘይኮነን ቅድሚ ሎሚ እውን ብተደጋጋሚ ዝፈሸለ ሓደጋ ከምዝነበረ ብምግላፅ ሓሰት ንህዝቢ ዕላዊ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣይህሉን።ብጭቡጥን ብተደጋጋምን ዝተኸሰተ ግን ድማ ዝፈሸለ ሓደጋ እዩ።ሕዚ እውን እንተኾነ ተመሳሳሊ ዝኾነ ትሕዝቲ ከምዝህልዎ ምውሳድ ይክኣል እዩ ኢሎም።

እቲ ሓደጋ ብጭቡጥ ሓበሬታን መረዳእታን ዝተሓገዘ ስግኣት እዩ ዝበሉ ንሶም ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣሉታ ስለዝሃበሉ ከይኮነስ ኣብ ሃገራና ዝተሃቀነ ሓደጋ ናይ ምፍሻል ስራሕ ናይ ኮሉም ሓይልታት ፀጥታን ህብዝን ስራሕ ክኸውን ስለዘለዎ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከምኡ ስለዝበሉ ዕሽሽ ኣይንብል ክብሉ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኽሲ ኣሉታ ዝሃበሉ መሊሶም።

መረዳእታ ካብ መሬት ተላዒልካ ዝንገር ከይኮነስ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ንምፍፃም ዝንቀሳቐሱን ዝተንቀሳቐሱን ወገናት ምህላዎም ስለዝተፈልጠን እዩ ክብሉ ኮምሽነር ይሕደጎ ስዩም ገሊፆም።

ህዝብ ነዚ ሓደጋ ናይ ምፍሻል ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም እውን ኢሎም እቶም ኮምሽነር።
እቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝሕገዙ ዝተባህሉ ሓይልታት ቅድሚ ሎሚ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ንምብፃሕ ክንቀሳቐሱን ከም ተለኣኣኽቲ ኮይኖም ከግልግሉን ዝፀንሑ ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተመደቡን ሓይልታት ከምኡ ድማ ኣል-ሸባብ ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ኣብ ሽብር ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።
XS
SM
MD
LG