ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጭቡጥ ሓበሬታ መጥቃዕቲ ራዕደኛታት ኣለኒ ትብል ኢትዮዽያ


Amharic Ethiopia Program Banner
Amharic Ethiopia Program Banner
መንግስቲ ኤርትራን ጉጅለ ኣል-ሸባብን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ኢትዮዽያ መጥቃዕቲ ዝፍፅሙ ፈጠርቲ ራዕዲ ከምዘዋፈሩ ዝሕብር ርጉፅ መርተዖ ረኺበ‘ለኹ ክብል መንግስቲ ኢትዮዽያ ሎሚ ምሸት ገሊፁ።

እቲ ውጥን ንክፈሽል ህዝቢ ክተሓባበር‘ውን ፀዊዑ‘ሎ።ብሕልፊ ኣብ ህዝቢ ዝበዝሐሉ ከባቢታት ዝሰርሑ ዜጋታት፣ዘጠራጥር ኩነታት ምስ ዝዕዘቡ ሓበሬታ ንፖሊስ ክህቡ እቲ መግለፂ ፀዊዑ።

ሆቴላት፣ማካይን ኣባይቲን ዘካርዩ ዜጋታት‘ውን እንተኾኑ ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቀ ንክገብሩ ኣዘኻኺሩ‘ሎ መንግስቲ ኢትዮዽያ ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኸልና ሪፖርት።

ብዛዕባ‘ቲ መንግስቲ ኢትዮዽያ ዘውፀኦ ናይ ሎሚመግለፂ፣ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋሃበ መልሲ ዛጊድ የለን።ምስ ረኸብና ክነቅርብ ኢና።
XS
SM
MD
LG