ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ንኢትዮያውያን ዝወሃብ ግዜያዊ ናይ ምጽናሕ ፍቓድ ብ18 ኣዋርሕ ኣናዊሓ


ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣሌሃንድሮ ማዮርካስ- ፋይል
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣሌሃንድሮ ማዮርካስ- ፋይል

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ ን13 ሰነ ናይዚ ዓመት ክወድቕ ዝቀራረብ ዝነበረ፡ ንኢትዮጵያውያን ኣብ ኣመሪካ ተዋሂቡ ዝነበረ ግዜያዊ ናይ ምጽናሕ ውሕስነት (Temporary Protected Status (TPS)) ንሓደ ዓመት ሽዱሽተ ወርሒን ኣናዊሑዎ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣሌሃንድሮ ማዮርካስ ከም ዝጠቕሶ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎንጽታት ስእነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ክሳብ 12 ነሓሰ ናይ 2025 ከናውሑዎ ምውሳኖም ሓቢሩ።

በዚ ግዜያዊ ናይ ዘይምምላስ ውሕስነት፡ ኣብ ኣመሪካ ብዝተፈላለየ ቪዛ ከም ናይ ተመሃሮ ዝጸንሑ፡ ናይ ስራሕ ፍቓዶም ከናውሑ ከም ዝኽእሉ እቲ መግለጺ ይሕብር።

እዚ ግዜያዊ ናይ ምጽናሕ መሰል ናብ ኣመሪካ ቅድሚ 11 ሚያዝያ (ትማሊ ምዃኑ’ዩ) ንዝኣተዉ ከም ዝምልከቶም’ውን እቲ መግለጺ ይሕብር። ብምንዋሕ እዚ ናይ ግዜያዊ ውሕስነት 2,300 ኣብ ኣመሪካ ዝጸንሑን እዚ ወረቐት ዝተዋህቦምን ዜጋታት ኢትዮጵያ ተጠቀምቲ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሕጂ’ውን ክሳብ 12-ሽሕ ዝበጽሑ ኣካሉ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ መግለጺ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG