ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ንሕቶ ዓቃቢ-ሕጊ ነፂጉዎ


Federal Court
Federal Court
ኣብ ኢትዮዽያ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ዘቅረቦም ክልተ መሰኻኽር ክጥቀም የብሉን ንዝብል ተቃውሞ ዓቃቢ-ሕጊ ኢትዮዽያ፣ቤት ፍርዲ ነፂጉዎ።ቃሎም ንክህቡ‘ውን ፈቂዱ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንሎሚ ቆፀራ ዝሓዘ ቃል ምስክራት ንክሰምዕ ነይሩ። ተኸሳሳይ ኣብ ጋዜጣ ዘውፀኦም ፅሑፋት፣ንመንግስቲ ብሓሶት ምጥቃንን ገበን ፀለመን ከምኡውን ናይ ሓሶት ወረ ብምንዛሕን ንህዝቢ ብምልዕዓልን ዝብሉ ገለ ካብ‘ቶም መልሲ ዝሃበሎም‘ዮም።

ንሱ ኣተሓሒዙ፣ሕጊ ካብ ዝፈቀደሉን ካብ ሞያ ጋዜጠኝነትን ወፃኢ ዝፈፀምኩዎ በደል የለን ኢሉ።

ዓቃቢ-ሕጊ ክልተ ጊዜ እናቋረፀ ክቃወም ፈቲኑ፣ግን ዳኛ ንሕቶ ዓቃቢ ሕጊ ነፂጉ ንቃል ተመስገን ደሳለኝ ተቀቢሉ‘ሎ።ከምኡውን ምስክራት ዶ/ር ያሬድ ለገሰን ፕሮፈሰር መስፍን ወ/ማርያምን ከምዝቀርቡ መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት ሓቢሩ።
XS
SM
MD
LG