ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፀገም መሃያ መማህራን ዞባ ሃድያ ህፁፅ ፍታሕ ክግበረሉ ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ፀዊዑ


ፕረዝደንት ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ዶ/ር ዮሃንስ በንቲ
ፕረዝደንት ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ዶ/ር ዮሃንስ በንቲ

ኣብ ኢትዮጵያ ማእኸላዊ ክልል፣ ዞባ ሃዲያ ንኣዋርሕ መሃያ ብዘይምርካቦም ስራሕ ጠጠው ዘበሉ መማህራን ፀገሞም ብህፁፅ ንክፍተሐሎም ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ፕረዝደንት እቲ ማሕበር ዶ/ር ዮሃንስ በንቲ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብዝሃቡዎ ቃለ-መሕትት፣ መማህራን እቲ ዞባ ንኣዋርሕ ዝኣክል መሃያ ከምዘይረኸቡ ሓበሬታ ኣለና ምስበሉ ቅሬተኦም ድማ እቲ ማሕበር ንሚንስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ከምዝቐረበ ኣፍሊጦም። እንተኾነ፣ ሚንስትሪ ትምህርቲ ጉዳይ መሃያ እቶም መማህራን ነቲ ዘለውሉ ክልል እዩ ዝምልከት ዝብል ምላሽ ምሃቡ ዶ/ር ዮሃንስ ገሊፆም። እቶም መማህራን ስራሕ ጠጠው ብምባሎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተማሃሮ እቲ ዞባ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃኢ ኮይኖም ከምዘለው ቅድሚ ሕጂ ድምፂ ኣመሪካ ምሕባሩ ይዝከር። ዶ/ር ዩሃንስ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ህፁፅ መልሲ ክህበሉ'ውን ኣተሓሳሲቦም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG