ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ሲዊዲናዊያን ጋዜጠኛታት ንቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቃሎም ሂቦም


ናብ ኦጋዴን ዝተጉዓዙ ብዛዕባ ትካል ነዳዲ ስዊድን ምርመራዊ ፀብፃብ ንምስራሕ እዩ ኢሎም

ክልተ ሱዊዲናዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ ኦጋዴን ምስዓመፅቲ ክትሓዙ ከለው ዝልዓለ ሙያዊ ብቕዓቶም ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ንሓደ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ መልሲ ሂቦም።ኢትዮጵያ ንቶም ጋዜጥኛታት ንኣሸባሪ ጉጅለ ሓጊዝኹም ብዝብል ኸሲሳቶም ኣላ።

ጋዜጠኛታት ማርቲን ሺበን ዮሃን ፐርሰንን ናብ ኦጋዴን ዝተጉዓዙ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ትካል ነዳዲ ስዊድን ምርመራዊ ፀብፃብ ንምስራሕ እዩ ክብሉ ሰለስተ ዳያኑ ንዝሓቖፈ መጋባእያ ተዛሪቦም።

Lundin Oil ዝተብሃለ ትካል ነዳዲ ብመግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሱ ወታደራት ኢትዮጵያ ዋርዲያ እቲ ትካል ገይሩ ይቖፅር ብዝል ይኽሰስ።ምስንቴር ጉዳይ ወፃኢ ስዊደን ካርል ቢይልት ቅድም ክብል ኣባል ቦርድ ዳይረክተራት እቲ ትካል ነዳዲ ለንዲን ነይሮም።

እቶም ክልተ ጋዜጠኛታት ዝሓለፈ 30 ሰነ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ውድብ ኢላ ምስዝመደበቶም ምስ ኣባላት ዕጡቓት ዓመፅቲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን እዮም ተታሒዞም።ንኣሸበርቲ ብምድጋፍ ጥፍኣተኛ ኮይኖም እንተተረኺቦም ክልቲኦም ጋዜጣኛታት 15 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረዶም እዩ።

ኣብቲ ንልዕሊ ሓደ ስዓት ዝፀንሐ ቃሎም ናይ ምስማዕ ከይዲ ሺበ ምስ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዝነበሮ ርክብ ብጥብቂ ሙይዊ ከምዝነበረ ገሊፁ።ብቶም ዓመፅቲ ንዕኡን ፐርሰንን ወታደራዊ ስልጠና ተዋሂቡዎም ንዝብል ኽሲ ድማ ነፂጉዎ።ኣብ ሱማሊያ ኣብ ሓደ ደው መበሊ መኻይን ጠበንጃ ሒዙ ዘርኢ ብዓቃቢ ሕጊ ዝቐረብሉ ናይ ቪዲዮ መርትዖ ምስ ናይ ቀደም ተዋጋኣይ ኣኽራሪ ኣልሸባብ ቃለ መጠይቕ ኣብዝገበረሉ እዋን ከምዝነበረ ሺበ ነቲ መጋባእያ ተዛሪቡ።

ናይ ተኸላኻሊ ጠበቓ ቶማስ ኦልሰን ነቲ መጋባእያ ካብዝተኸታተሉ ስዊዲናዊያን ተዓዘብቲ፡ጋዜኛታትን ዲፕሎማሰኛታትን ሓደ እዮም።ንሶም ክልቲኦም ጋዜጣኛታት ናይቲ ዓቃቢ ሕጊ ኽስታት ብዝግባእ መሊሶም ኣለው ይብሉ።

ናብ ኦጋዴን ንምንታይ ከምዝኸዱ ብንፁር ከምዝገለፁን ብምሕባር ከምዚ ኢሎም።’’እቲ ታሪኽ ኩባንያታት ነዳዲ ኣብ መነባብሮ ስቪላት የሕድሩዎ ብዛዕባ ዘለ ፅልዋታት እዩ።ኣብ ብረታዊ ግጭት ንምስታፍ ውጥን ኣይነበሮምን።ምስ ዝኾነ ይኹን ወገን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣይወገኑን።ቀንዲ ቁምነገር እቲ ጉዳይ ኢዚ እዩ ዝመስለኒ።’’ኢሎም።

ሺበ ዝሓለፈ ዓመት ን199 ማዕልታት ግጭት ንምፅብፃብ ኣብ 16 ሃገራት ከምዘሕለፈ ነቲ ቤት ፍርዲ ገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ስዊዲን የንስ ኦድላንደር ከምዝበልዎ ኣብ ዞባታት ዅናት ዝሰርሑ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ነቲ ቤትፍርዲ ምስክርነቶም ንምሃብ ከምዝሓተቱን ዛጊድ ክልተ ናብቲ መጋባእያ ከምዝመፁን ኣፍሊጦም።

ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ምስ ግብረ ሽበራ ብዝተኣሳሰሩ ኽስታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵይ ናብ ቤት ፍርዲ ካብዝቐረቡ 10 ጋዜጠኛታት እዮም።ሓሙሽተ ዝሃደሙን ብዘየለውሉ ጉዳዮም እናተርእየ ዝርከቡን ሓዊሱ እቶም ዝተረፉ ሸሞንተ ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያዊያን እዮም።

XS
SM
MD
LG