ፌደሬላዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮዽያ ንክልተ ስዊድናዊ ጋዜጠኛታት ገበነኛ‘ዮም ዝብል ብይን ኣሕሊፉ።ዝግበኦም መቅፃዕቲ ንምውሳን ብቆፀራ ተፈላልዩ።
ቤት ፍርዲ ኢትዮዽያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ማርቲን ሸብንን ዮሃን ፐርሰንን ንዝተሰምዑ ክልተ ክስታት ተቀቢሉዎ‘ሎ።ብመሰረት ዓቃቢ-ሕጊ ዘትሐዞ ክሲ ክልቲኦም ተኸሰስቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ኢሉ ዝገለፆ ኦብነግ ተራኺቦም።
ንሞያ ጋዜጠኛነት ከውሊ ገይሮም ንመንግስቲን ህዝቢን ኢትዮዽያ ንምጉዳእ፣ንዕላማ ኦብነግ ደጊፎም፣ተዓጢቆም፣ናይ‘ታ ሃገር ኳዕቲ ነዳዲ ዘይቲ ዝካየደሉ ስፍራ፣ናይ‘ቲ ፕሮጀክትን ኣቀማምጣ ሰራዊትን ኣፅኒዖም፣ንዕላማ ኦብነግ ንምዕዋት እናተንቀሳቀሱ ከለው ስለዝተማረኹ ንግብረ-ሸበራ ደጊፎም ተባሂሎም ተኸሲሶም‘ለው ይብል እቲ ቀዳማይ ክሲ።
ካልኣይ ክሲ ዓቃቢ-ሕጊ፣ንኣድማሳዊን ሃገራዊን ሕጊ ጥሒሶም፣ንድሕነት ህዝቢ ስግኣት ዝኾነ ተግባር ንምፍፃም ናብ ኢትዮዽያ ስለዝኣተው፣ንናይ‘ታ ሃገር ሉኣላዊነት ረጊፆም ይብል።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ናይ ሎሚ ውዕልኡ፣ብክልቲኡ ወገን ንዝቀረበ ክስን ተቃውሞ ክስን ብመንፅር ሕጊ‘ታ ሃገር ከምዝገምገመ ገሊፁ‘ሎ።
እቲ ቤት ፍርዲ ከምዝጠቀሶ፣ተኸሰስቲ ሞያና‘ዩ ዝበልዎ ንምፍፃምን ንኣሰራርሓ ኣብ ኢትዮዽያ ዝተዋፈረ ኩባንያ ኦይል-ኣፍሪቃ ንምዕዛብን ናብ‘ታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣቲና ኢና ኢሎም ንዝሃብዎ ቃል ውዱቅ ገይሩዎ‘ሎ እቲ ቤት-ፍርዲ።ምኽንያቱ ይብል እቲ ቤት-ፍርዲ ኩባንያ ኦይል-ኣፍሪቃ፣ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ሕጋዊ ውዕል ስለዝኣሰረ፣ ፈቃድ መንግስቲ ረኺብካ ናብ‘ቲ ስፍራ ምሕላፍን ምፅብፃብን ይካኣል‘ዩ ይብል።ነዚ ኢልና፣ንዶብ‘ታ ሃገር ጥሒስና ኣቲና ምባሎም ቅቡል ኣይኮነን ይብል እቲ ቤት-ፍርዲ።
ኣብ‘ቲ ከባቢ ንዝኽሰት ግጭት ንምፅብፃብ ኢና ኢቲና ንዝብል ቃል-ተኸሰስቲ ድማ፣ተኸሰስቲን ዘቅረብዎም ምስክራትን ዝሃብዎ ቃል ክምርመር ከሎ ብቤት ፍርዲ ተቀባልነት ዘይብሉ‘ዩ ይብል።ተኸሰስቲ ማርቲን ሸቤን ዮሃን ፐርሰንን፣ነቲ ብዓቃቢ-ሕጊ ዝቀረበሎም ክሲ ክምልሱ ስለዘይካኣሉ ብሙሉእ ድምፂ ገበነኛታት ኢኹም ኢልዎም‘ሎ።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣስዒቡ፣ነቲ ብይን ቅድሚ ምሕላፉ፣ክጠቅሞም ዝኽእል መልሲ ኣሎ እንተኾይኑ ሓቲቱ፣ሪኢቶ ተቀቢሉ‘ሎ።ኣብ መወዳእታ፣እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ክልቲኦም ወገናት ሪኢቶ ገምጊሙ ብይን ንምሕላፍ ን17 ታሕሳስ ካልእ ቆፀራ ሂቡ ናይ ሎሚ ስርሑ ዛዚሙ‘ሎ።
ኢንድግልድ ዶልጋብ ኣብ ስዊድን ናይ ውልቀ-ሚድያ ትሰርሕ‘ያ፣ነቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ ክትከታተል ምስ ቀነየት ድሕሪ‘ቲ ናይ ሎሚ ውዕሎ ሪኢቶኣ ተሓቲታ ከምዚ ትብል።
“ነዚ መስርሕ ቤት-ፍርዲ ንሳልሳይ ጊዜ‘የ ተኸታቲለዮ።እቲ መስርሕ ክሳብ ሎሚ ርትዓዊ‘ዩ ዝብል እምነት ነይሩኒ።በቲ ብይን ግና ኣዝየ‘የ ተገሪመ። ኣዝዩ ጨካን ብይን‘ዩ።ንፉዓት መሰኻኽር ተኸሰስቲ ቀሪቦም ነይሮም።ዳያኑ ግና ልዕሊ ጠበቃታት ተኸሰስቲ‘ዮም ኮይኖም” ኢላ።
ተኸሰስቲ ብቁዕ ነብሰ-ምክልኻል ገይሮም‘ዮም ኢላ‘ውን ትኣምን ስዊድናዊት ጋዜጠኛ ኢንድግልድ ዶልጋብ።ኣብ ምጅማር‘ቲ መስርሕ፣ዳያኑ ነቲ ከይዲ ሙግት ፅቡቅ ገይሮም ኣዳሚፆም‘ዮም።ግን ዘርከቦ ለውጢ የለን‘ውን ኢላ። እንተኾነ እቲ ብይን ዘሕልፎ መልእኽቲ ኣለዎ‘ በለት።
ንሳ ወሲኻ “ከምዝመስለኒ እቲ ብይን መልእኽቲ ኣለዎ።ኣገዳሲ ዘይኮነ ምንቅስቃስ ድዩ ተበግሶ፣ኣብ ዓድና ኣይሰርሕን ዝዓይነቱ መልእኽቲ” ኢላ።
ነቲ መስርሕ ቤት-ፍርዲ ክሲ ጋዜጠኛታት ስዊድን፣ሒደት ዘይባሃሉ ወፃእተኛታት ጋዜጠኛታት ተኸታቲሎምዎ‘ዮም ይብል መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት።
ፖለቲካዊ ጣልቃ ምትእትታው ዘለዎ መስርሕ-ፍርዲ ይብልዎ ተሟጎቲ መሰላት