ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ሲዊዲናዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ክፍረዶም እዩ


ተኸላኸልቲ ጠበቓታት ተወሳኺ መከራኸሪ ነጥቢ ብፅሑፍ ከምዝቕርቡ ተፈሊጡ

ናይቶም ንግብረሽበራ ሓጊዝኹም ብዝብል ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰሱ ክልተ ስዊዲናዊያን ጋዜጠኛታት ከይዲ ፍርዲ ኣብ ናይ ግጭት ዞባታት ጊደ ሪፖርተራት እንታይ ክኸውን ኣለዎ ብዝብል ክርክር ተወዲኡ።

ሰለሰተ ናይ ፈዴራል ዳኛታት ዝሓቖፈ መጋባእያ ኣብ ልዕሊ ማርቲን ሺብየን ዮሃን ፐርሰንን ፍርዲ ንምሃብ ን21 ታሕሳስ ኣ/ፈ ቆፀራ ሂቡ።

እቲ ናይቶም ክልተ ሲዊዲናዊያን ጋዜጠኛታት ጉዳይ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ብዛዕባ ጥፍኣት እቶም ጋዜጠኛታት ብወግዒ ድሕሪ ምግላፆም ነይሩ ቆላሕታ ዝረኸበ።ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ንሓንቲ ናይ ስዊዲን ጋዜጣ ኣብዝሃብዎ ቃለ መጠይቕ እቶም ጋዜጠኛታት እንተወሓደ ናይ ኣሸበርቲ ልኡኻት ነይሮም ክብሉ ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብቲ መጋባእያ ሺብየን ፐርሰንን ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕጋዊ ምእታዎም እንተኣመኑ’ውን ንግንባር ሓርነት ኦጋዴን ምሕጋዞም ግን ነፂጎምዎ ኣለው።ናብ ኦጋዴን ዝኣተዉ ንምንቅስቓሳት ሓደ ትካል ነዳዲ ስዊዲን ምርመራዊ ፀብፃብ ንምስራሕ እዩ ኢሎም።

ጉዳዮም ኣብ ዝረአየሉ ናይ መዕፀዊ ማዕልቲ ሎማዕንቲ ረቡዕ ጠበቓ እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ብምፅብፃብ ብዙሕ ተመኩሮ ንዘለዎም ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ ናይ ጎንፂ ዞባታት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ከመይ ይሰርሑ ዝብል ምስክርነቶም ንምሃብ ፀዊዕም ነይሮም።

ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ወኪል ጋዜጣ ለንደን ደይሊ ተለግራፍ ዝኾነ ኣንድሪያን ብሎምፊልድ መንግስታት ክወፁ ዘይደልዩዎም ዜናታት ንምስራሕ ጋዜጠኛታት ናብ ዝተኸልከሉ ከባቢታት ከምዝጉዓዙ መስኪሩ።

ጠበቓታት ኣብቲ ጉዳያ ዘለዎም መከራኸሪ ነጥቢ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብፅሑፍ ከቕርቡ እዮም።

XS
SM
MD
LG