ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኢትዮጵያ ተአሲሮም ዘለው ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት ንኽፍትሑ ተሓቲቱ


ኣብ ኢትዮጵያ ክሊ ሶማሌ ዝንቀሳቀስ ተዋጋኢ ጉጅለ ዓጅብዎም ናብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ዝአተው 2 ዜጋታት ሽወደን ጋዜጠኛታት ንኽፍትሑ እቲ ንሳቶም ዝሰርሕሉ ትካልን ጉጅለታት ተሓላቅቲ ጋዜጠኛታት ሓቲቶም።

እቶም ሰባት ጋዜጠኝታት ደአምበር ከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝብሎ ፈጠርቲ ራዕዲ አይኮኑን ከምኡ ምስ ዝበለ አረአእያ ዘለዎም ሰባት'ውን አይሰርሑን ክብል መሳርሕቶምን ኣብቲ ንሳቶም ዝሰርሕሉ ትካል ጋዜጠኛታት አስናዳኢ ዝኾነ ተርየ ሊንድ ብሉም ተዛሪቡ።

ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሑ'ውን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት መግሃስቲ መሰላት ይፍፀም'ሎ ዝብል ዝተፃረየ ሓበሬታ በፂሕዎም ነዚ ንኸፃርዩን ሓቁ ካብቶም ስደተኛታት ካብ ባዕሎም ንምስማዕ'ዩ ክብልውን ወሲኹ።

እቶም ጋዜጠኛታት ብናይ ሶማል ፑንትላንድ አቢሎም ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዘቅንዑ ጋዘጠኛታት ፎቶግራፍ ብዓጃብነት ዕጡቃት ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ተሰንዮም ዶብ ክሰግሩ ክብሉ ብሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ከምዝተታሕዙ ኣብዚ ሰሙንዚ'ዩ ተገሊፁ።

23 ሰነ ኢትዮጵያን ፑንትላንድን ብዘዳውብ ዶብ ብጋልቃዮ አቢሎም ክልቲኦም ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት ብዕጡቃት ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ክልኦት ሓገዝቶምን ተሰኒዮም ክጋዓዙ ኸለው ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ብዝበፅሖም ሓበሬታ መሰረት'ዮም ተኸታቲሎምም።

"ሽዑ ተኹሲ ተኸፊቱ በቲ ተኹሲ 15 አሸበርቲ ተቀቲሎም 6 ተማሪኾም ብተወሳኺ እቶም ሽወደናውያን ተታሒዞም " ክብሉ አቶ በረኸት ስምኦን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆምሉ።

ብፑንትላንድ አቢሉ ነቶም ጋዜጠኛታት ንምሕላፍ ዓጀብቲን መራሕቲን ከም ዝለአኸ ዝገለፀ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ምስቶም ጋዜጠኛታት ዝነበሮ ርክብ ካብ 24 ሰነ ከም ዝተቃረፀን ሓይልታት ኢትዮጵያ ነቶም ሓገዝቶም ቀቲሉ ነቶም ሽወደናውያን አሲሩ ክብል ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ አፍሉጡ።

XS
SM
MD
LG