ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ናብ ኣህጉራዊ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሓሊፋ


ETHIOPIA SOCCER
ETHIOPIA SOCCER
ትፅቢት ዝነወሖ ኣፍቃራይ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮዽያ፣ትማሊ ሃገራዊት ጋንትኡ ንጋንታ ሱዳን 2 ን 0 ድሕሪ ምስዓራ፣ክውን ኮይኑ።እቲ ናይ ትማሊ ፀወታ ንሚእቲ ደቃይቅ ጭንቀት ዘናወሐ‘ውን ነይሩ።

ሴኔጋላዊ ሞንጎኛ፣ካብ‘ቲ ምዱብ ናይ ቴስዓ ደቃይቅ፣ብዝተፈላለየ ጠንቂታት ዝተኮመረ ዝባኸነ ዓሰርተ ደቃይቅ ስለዝወሰኸ፣ነቲ ዘምሰየ ውጥረትን ጭንቀትን ሰማይ‘ዩ ሰቂልዎ።

ብዝኾነ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ፀወታ ብኣዳነ ግርማን ሰልሓድን ስዒድን ብዝተመዝገባ ክልተ ሸቶታት፣እታ ጋንታ ናብ‘ቲ ጥሪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ግጥማት ምሕላፋ ተረጋጊፁ‘ሎ።

ጋንታ ኢትዮዽያ ምስ ዴሞክራስያዊት ኮንጎ፣ደሴት ኬፕቨርዴን ቶጎን ተመዲባ‘ላ።
ኣብ ሙሉእ ኢትዮዽያ ፈስታን ታሕጓስን ሙሉእ ምሸትን ለይቲን ተራእዩ‘ዩ።

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:15 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG