ኢትዮዽያ ንሱዳን ሚእቲ ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምሻጥ ዘኽእላ መስመር ኤሌክትሪክ ትማሊ ረቡዕ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት መሪቆም ከፊቶምዎ።ሽዑ ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሻር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ንህንፀት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ ከምዝድግፉ ገሊፆም።
እቲ ካብ ባህርዳር ተላዒሉ ንጎንደር ሰጊሩ ሱዳን ዝኣትው መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንጊዚኡ ሚእቲ ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝፀውር‘ዩ።ኣብ ምዝርጋሕ‘ዚ ኣገልግሎት ኢትዮዽያ ኣርባዓ ሚልዮን ዶላር ሱዳን ሰላሳ ሚልዮን ዶላር ኣውፂኤናሉ‘ለዋ ይብል ኮርፖሬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮዽያ።እቲ 390 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ መስመር 230 ሽሕ ኪሎ-ቮልት ናይ ምሕላፍ ዓቅሚ‘ውን ኣለዎ።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ ሓባራዊ ኮምሽን ሱዳንን ኢትዮዽያን ኣብ ጉዳያት ፀጥታ፣ናፃ ዞባ ንግዲ፣ኢንቨስትመንት ምንጪ ሓይሊን ኣብ መፋስስ ኣባይን ካልኦትን ዝሓወሰ 14 ሰነዳት ምርድዳእ ተፈራሪመን‘ለዋ።
መርበብ ሓበሬታ ግብፂ ኣል-ኣሕራም ከምዝጠቀሶ፣ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽር ኢትዮዽያ ንዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ ምህናፃ ከምዝድግፉ ኣረጋጊፆም ኣለው ኢሉ‘ሎ።
ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽር ሱዳን ንህንፀት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ ከምዝድግፉ ዝገለፁ፣ኢትዮዽያ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ህንፀት‘ቲ ግድብ ንክዘራረቡ መዓልታት ኣብ ዝተረፎ እዋን‘ዩ።ሱዳን ደገፋ ስለዝገለፀት፣ግብፂ በይና ተሪፋ ይብሉ ፀብፃባት።