ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ኣጠቃቅማ ማይ ኣባይን ግድብ ህዳሴን ተሰማሚዔን ይብሉ ምንስቲር ወፃኢ ሱዳን


ህንፀት ግድብ ህዳሴ
ህንፀት ግድብ ህዳሴ

ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብፅን ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየደኦ ልዝብ ኣጠቃቅማ ማይ ሩባ ኣባይን ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያን ሎሚ ዓርቢ ከምዝተሰማማዓ ዝረኸብናዮ ዜና ገሊፁ።

ምንስቲር ወፃኢ ሱዳን ዓሊ ካርቲ ንሪፖርተራት ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ “ኣብ መትከላት ኣጠቃቅማ ሩባ ኣባይን ህንፀት ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያን ኣብ ሙሉእ ስምምዕነት በፂሕና ኣለና” ኢልም።

እቶም ዝተረዳዳእናሎም መትከላት ናብ መራሕቲና ክነቅርብ ኢና ኢሎም ሚስተር ዓሊ።

ሰሉስ ዝጀመረ ልዝብ ካርቱም ሰለስቲኤን ሃገራት፣ኣጀንድኡ መቐሎ ማይ ኣባይ ኣብ ሰለስቲኤን ሃገራትን ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ዝፀንሐ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያን’ዮም ነይሮም።ግብፂ እቲ ግድብ ንብፂሕተይ ክንክዮ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ግና እቲ ግድብ ንግብፂን ሱዳንን ኣይጎድአንን’ዩ ክትብል ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ደጋጊማ ገሊፃ’ያ።

ምንስቲር ወፃኢ ግብፂ ሳማሕ ሹክሪ ብወገኖም፣እቶም ናብ ስምምዕነት ዝተበፅሓሎም መትከላት ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ንዝህሉ ምትሕብባራት ኣንፈት ሓባሪ’ዩ ኢሎም ገሊፆምዎ።

ምንስቲር ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድማ፣ስምምዕነት ካርቱም ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ምሕዝነት ዝፈጠረ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG