ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞ፤ “እታ እንኮ ፍታሕ ኲናት ደው ምባል’ዩ”


ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞ፤ “እታ እንኮ ፍታሕ ኲናት ደው ምባል’ዩ”
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:45 0:00

ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞ፤ “እታ እንኮ ፍታሕ ኲናት ደው ምባል’ዩ”

ኲናት ሱዳን ኣብ ዝቐጸለሉ፡ እቶም ዕድል ዝረኸቡ ዜጋታት እታ ዘላቶም እንኮ ኣማራጺ ምህዳም ምዃና ይገልጹ። ነዚ ዕድል ዝረኽቡ ግን ብዙሓት ኣይኰኑን። ኣገልግሎት ቴለቪዥን ሲሲቲቪ (CCTV) ናብ መተማ ብምጕዓዝ ንገለ ካብቶም ስደተኛታት ኣዘራሪቡ'ሎ።

15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት ላዕለዎት ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ ሱዳን፡ ምስቲ ዝቐደመ ኩነታት እታ ሃገር ተደማሚሩ፡ ንኣስታት 25.7 ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር ተጸበይቲ ረዲኤት ገይሩዎም ምህላዉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ። እቲ ኣሃዝ በበመዓልቱ እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ርዱእ ኰይኑ፡ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሐ ጸብጻብ፡ ድሕሪ ጎንጺ ኣስታት 850-ሽሕ ዜጋታት ተመዛቢሎም ምህላዎም የመልክት። ካብዚኣቶም እቶም ኣስታት 260-ሽሕ ዝግመቱ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም ኣለዉ።

ካብተን ሓያሎ ስደተኛታት ዝውሑዝላ ዘለዉ ኢትዮጵያ፡ ብመንገዲ መተማ ኣቢሎም፡ መዓልታዊ ካብ 700-800 ዜጋታት ዶብ ይሰግሩ ምህላዎም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ኣብ መተማ በበይነን ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ተዋፊረን ነቶም ስደተኛታት ንምዕቋብን መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምምላእን ኣብ ምጉያይ ይርከባ። ኣብቲ ቦታ ከም ኣካላት ላዕለዎት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ንምዕቋብን ይጓየያ ኣለዋ። እንተዀነ እቲ መጠን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ስለ ዝመጽእ፡ ነቲ ዘሎ ጠለባት ንምምላእ ከቢድ ምዃኑ ርዱእ ኰይኑ ኣሎ።

መጠናዊ ጠለባት እንተ ኣቃለለ ብምባል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብቲ መቐበሊ ንቝጣ ቁሩብ ርሕቕ ዝበለ መዓስከር ኣቚሙ ሓደስት መጻእቲ ኣብ ምቕባል ይርከብ። ኣብዚ መዓከር ኣስታት 400 ዝዀኑ ሱዳናውያንን ኤርትራውያንን ኣለዉ።

ኣብቲ ኪንዮ መሰረታዊ መጽለሊ ካልእ መሳለጥያታት ዘይብሉ ቴንዳታት፡ ኣብ ሓንቲ ቴንዳ 12 ሰባት ክጸንሑ ተገይሩ ኣሎ።

ሓደ ካብዞም ኣብዚ መዓስከር ዝርከቡ ሱዳናውያን ረዲን ዓብደላ ይብሃል። እቲ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ፡ ካብ ስድራኡ ተፈልዩ ንሳቶም ኣብ ዓዶም ንሱ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣብ ካርቱም ይመሃር ምንባሩ ይነግር። ረዲን ድሮ ንትሽዓተ መዓልታት ኣብቲ መዓስከር ተቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብቲ መዓስከር፡ ዋላ’ኳ ተጸቓቒጦም ይቕመጡ ይሃልዉ እምበር፡ ካልእ ኣማራጺ’ውን ስለ ዘየሎ፡ ነቲ ሽግር ተሓላልዮም ተፋቒሮምን ይሓልፉዎ ምህላዎም ይነግር። እቲ ህይወት ንግዚኡ ምዃኑ ስለ ዝኣምኑ፡ ንሓጐስን ስቓይን ብማዕረ ንካፈሎ ኣሎና ከኣ ይብል።

እንተዀነ እቲ ትጽቢት ክሓጽርን ነባሪ መፍትሒን ክመጽኦም ይጽበዩ ምህላዎም'ውን ይገልጽ። ድሌት ናይ ኩላቶም ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ኣብ ነባሪ ቦታ ክዕቆቡን ህይወቶም ንምምራሕ ክኽእሉ ዕድል ክረኽቡን’ዩ። እንተዀነ ንኸም ረዲን ዝኣመሰሉ፡ ኣሰራርሓን ምጥያስን ሕቡራት ሃገራት ንዝፈልጡ፡ ክንድኡ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረኽቡ ከም ዘይክእሉ ኣይስሕቶን። ዛጊት መጽለሊ፡ መግቢ፡ ማይን ዕረፍቲን ምርካቦም ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ዘለዎ ኣኽብሮት ይገልጽ።

ኣብ ሱዳን ብዙሕ መከራ ርእዩ ስለ ዝመጽአ፡ ኣብዚ ሓድሽ መዓስከር ዝረኣዮ ተዛማዲ ምርግጋእ፡ ነታ ንእሽቶ እትመስል ደውታ ተዅሲ’ውን ከድንቕ ገይሩዎ’ዩ። “ኣብዚ ድምጺ ጥይት ኣይንሰምዕ ኢና ዘሎና፡ ብረት’ውን የለን። ስለዚ ከኣ’ዩ ህይወትና ኣብዚ ውሕስነት ዘለዎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ቀዳምነት ንሰርዖ ድማ ድሕነት ህይወትና’ዩ፡” ይብል።

ረዲን ዓብደላ ናይ ህይወቱ ውሕስነት ደኣ ይረጋግጽ እምበር፡ ናይቶም ድሕሪት ዝገደፎም ኣባላት ስድራኡ ደሃይ ግን የብሉን። እንተዀነ ጽቡቕ ክህልዉን ከም ናቱ፡ ካልእ እንተ ተረፈስ ብህይወቶም ክህልዉ ድማ ተስፋኡ ይገልጽ። ዝያዳ ኵሉ ግን ኲናት ደው ኢሉስ ሱዳናውያን ናብ ናይ ቀደም መነባብሮኦም ክምለሱ ይትስፎ።

ናብ መተማ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞኦም ከበድቲ መሰናኽል ሰጊሮም ዝመጽኡ’ዮም። እቶም ካብ ካርቱም ዝነቐሉ፡ ኣብ ከባቢኦም ናይ ቀረባ ኣዝማዶም ዝፈልጡዎም ሰባትን በቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ክቕተሉ ምርኣዮም ይነግሩ። እቲ ጕዕዞ ቀሊል ዘይምዃኑ ኣይሰሓቱዎን። ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘየሎ ግን ኣብ ክንዲ ብደውካ ንሞት ምጽባይ፡ ኣብ መገዲ ዝረኸቦም ክረኽቦም ቤቶም ሓዲጎም ክሃድሙ ምውሳኖም፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ መዓስከር ዝኣተዉ ነሽቡ መሓመድ ኑር ይነግር።

ቅድሚ ናብ መተማ ምብጻሖም፡ ኣብ መገዲ በበይኑ መፈተሺ ንቝጣታትን ዓበይቲ ምጕስቓላትን ሰጊሮም ምሕላፎም ኵላቶም እቶም ስደተኛታት ዝነግሩዎ ዛንታ’ዩ። ኣብ መገዲ ተዳኺሞምን ናይ መዋእል ህይወቶም ዘጥረዩዎ ገዲፎምን ምምጻኦም ድማ እቲ ዝግበረሎም ሓገዝ፡ ነቲ ዝተሓልፈ ምክልባት መጠናዊ ደበስ ክዀኖም ተስፋ ይገብሩ። ኣብቲ መዓስከር ተዋፊሮም ንጡፍ ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም ምስጋና የቕርቡ። እንተዀነ፡ እቶም ስደተኛታት ደጋጊሞም ዝጠቕሱዋ፡ እዚ መጠናዊ ሩፍታ ደኣ’ምበር ዘላቒ መፍትሒ ዘይምዃኑ፡ እቲ ኲናት ደው ክብል ይጽውዑ። ንሱ ምስ ዝዓርፍ ጥራይ ከኣ’ዩ እቲ ሰንሰለታዊ ምጉስቓልን ዘይመላእ ጠለብ ሓደስቲ መጻእቲን ክዕገት ዝኽእል።

XS
SM
MD
LG