ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ "ንናይ ግብጺ እጃም ካብ ፈለግ ኒል ከምዘይጸልው ንምርግጋጽ ቃል ኣቲና ኢና" ፕረ. ኣልበሽር


"ምህናጽ ግድብ ህዳሴ ንቀረብ ማይ ግብጺ ኣይጸልዎን ዩ" ፕረ. ኣልበሽር
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:31 0:00

ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ ኣብ ኢትዮጵያ ንቀረብ ማይ ግብጺ ከምዘይጸልው ፕረ. ኣልበሽር ገሊጾም

ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ ኣብ ኢትዮጵያ ንቀረብ ማይ ግብጺ ከምዘይጸልው ፕረ. ኣልበሽር ገሊጾም።

ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ዘካየዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ ንሰለስቲአን ሃገራት ዓወት’ዩ ድሕሪ ምባል እዚ ግን ካልእ ፖለቲካ ምስ ዘይሕወሶ’ዩ ኢሎም።

ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ ኣብ ፈለግ ኒል ምስ ተወደኣ ንቀረበ ማይ እታ ሃገር ካብቲ ፈለግ ክጸለው ይኽእል’ዩ ብዝብል ስግኣት ግብጺ ንዝምድና ግብጽን ኢትዮጵያን ምሕርፋፉ ይፍለጥ።

ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተዋህበ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ መራሕቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን: ፕረዝደንት ዑመር አልበሽር ብዛዕባ ምህናጽ እቲ ግድብ ብዝምልከት “ምህናጽ እቲ ግድብ ንናይ ግብጺ እጃም ካብ ፈለግ ኒል ከምዘይጸለው ንምርግጋጽ ቃል ኣቲና ኢና” ኢሎም።

ግብጺ ንቀረብ ሕርሻን ዝስተ ማይን ምሉእ ንምሉእ ኣብ ፈለግ ኒል ትምርኮስ ኮይና ብመሰረት ናይ 1929ዓ.ምን 1959 ዓ.ም ስምምዓት “ታሪካዊ መሰል” ከምዘለዋ ትገልጽ።

ብመሰረት እዘን ስምምዓት 87 ሚእታዊት ካብ ዋሓዚ’ቲ ፈለግን ኣብቲ ፈለግ ዝህነጹ ፕሮጀክትታት ብናይ ምሉእ ንምሉእ(ቬቶ) ድምጺ ንግብጺ ይህብ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም ንጉዳይ ምህናጽ እቲ ግድብ ምስ ጉዳይ ፖለቲካ ከይተሓሓዝ ጸዊዖም።

“እዚ ጉዳይ ናይ ቴክኒክ ጉዳይ እምበር ናይ ፖለቲካ ጉዳይ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ጉዳይ ምስ ፖለቲካ ምስ ዘይሕወስ ንኩላትና ዓወት ኣብ ዝኾነ መደምደምታ ክንበጽሕ ኢና” ኢሎም።

ፕረዝደንት ዑመር ኣል በሽር ሱዳን’ውን ኣብ ምጅማር እቲ ፕሮጀክት ንውሕስነት እቲ ግድብ ዝምልከት ስክፍታ ከምዝነበሮም እንተኾነ ኢትዮጵያ ኣብ መዋቕር እቲ ግድብ ለውጢ ምትእትታዋ ከምዘዕገቦም ምስተወደአ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝኸውን ሓቢሮም።ብምቅጻል ንሶም ስክፍትኦም ኣብ ህንጸት እቲ ግድብ ዝኾነ ነገር እንተ አጋጢሙ እቲ ጸገም ንሱዳን’ዩ ምክንያቱ ዝበዝሓ ካብቲ ማይ ናብ ሱዳን’ዩ ዝፈስስ” ክብሉ ኣረዲኦም።

ናይ ፈረንሳ ትካል አርተልያን ቢአር ኤልን ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳይ እቲ ህንጸት መጽናዕቲ የኻይዱ ምህላዎም ይፍለጥ።

እዚ ግድብ ምስ ተወደአ 6,450ሚጋ ዋት ሓይሊ ጸዓት ከመንጭው ከምዝክእልን እቲ ግድብ ኣብ 2012 ዓ.ም ዝተጀመረ ህንጸት ኣብ 2017 ዓ.ም ክዛዘም ትጽቢት ከምዝግበረሉን ብመሰረት ሓበሬታ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር 60 ሚእታዊት ህንጸት እቲ ግድብ ምውድኡ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG