ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣድማ ምዕጻው ጎደናታትን ኣብያተ ንግዲ ኢትዮጵያ


ተቓውሞ ኣብ ክልል ኦሮምያ- 13 የካቲት,2018
ተቓውሞ ኣብ ክልል ኦሮምያ- 13 የካቲት,2018

ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ መዝነቶም ክለቑ ሕቶ ድሕሪ ምቕራቦም ዝተዓወጀ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ብምቕዋም ኣብ ዋና ከተማ እታ ሃገርን ክልል ኦሮምያን ዝርከቡ ኣብያተ ንግዲ ካብ ሶኑይ ጀሚሮም ኣገልግሎት ደው ናይ ምባል ኣድማ ምክያዶም ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ከተማ አዲስ አበባን ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ጎደናታትን ኣብያተ ንግዲ ተዓጽዮም ቀንዮም ኣለው።

ካብ ከተማ አዲስ አበባ ናብ ካልኦት ክልላት ዝወስዱ ጎደናታት ደው ዝበሉ ዓበይቲ መካይን ይረአዩ፡ መራሕቲ እዘን መካይን ነቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ነጺጎም ስራሕ እንተጀሚሮም ብተቓወምቲ መጉዳእቲ ከይበጽሖም ከምዝፈርሑ ሓደ ካብኣቶም ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ የካቲት 16 ዝጸደቐ አዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ምዕጻው ጎደናታት ኮነ ኣብያተ ንግዲ ክልኩል እዩ።

ንውጽኢት ድምጺ ምጽዳቕ እቲ ኣዋጅ ዝተዋህበ ኣሃዝ ብወሃቢ ቃል እቲ ፓርላማ ድሕሪ ምቅያሩ ተቓወምቲ ንሕጋዊነት ምጽዳቕ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከምዝጠራጠሩ ይገልጹ ኣለው።

ኣቐዲሙ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝተላዕለ ተቓውሞ ስዒቡ ብዝተአወጀ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ካብ ጥቅምቲ 2016 ጀሚሩ ክሳብ ነሓሰ 2017 ምጽንሓ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ንትግባረ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝኸታተል ኮማንድ ፖስት ግን ሰባት መዓልታዊ ንቡር ህይወቶም ክቕጽሉን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብተወሳኺ ሚንስተር ምክልኻልን ጸሓፊ ኮማንድ ፖስት ሲራጅ ፈጌሳ ሎሚ ንመሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ዝበዝሑ ካብቶም ጎደናታት ከምዝተኸፍቱን ናብ ምዕራባዊ ክልል ኦሮምያ ዝወስዱ ክልተ ጎደናታት ጥራይ ከምዝተረፉን ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG