ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ዝተጣየሸ ማሕበር ተራድኦ `ወገን ንወገን` ፅጉማት ቆልዑ ካብ ጎደና ኣልዒሉ ይሕብሕብን የምህርን ‘ሎ


Former-street-boys-now-University-Students
Former-street-boys-now-University-Students

ግርማይ ገብሩ በቲ ማሕበር ታሓጊዞም ኣብ ዝሐዚ እዋን ኣብ ዝላዓለ ትምህርታዊ ብርኪ በፂሖም ዘለዉ ክልተ መንኣሰይ ዓዲሙ’ሎ

መንእሰይ ግርማይ ተኽለ ወለዱ ስለዝተጸገሙ ዘዕብዮን ዝናድዮን ምስ ሳኣነ ናብ ጎደና ወጽዩ ተፀጊሙ ይነብር ነይሩ:: ብ1999 ዓ/ም ናብ ማሕበር ተራድኦ ወገን ንወገን ኣትዩ ክሕገዝን ትምህርቱ ክቕፅልን ከም ዝኻኣለ ይገልጽ:: ግርማይ ኣብ ኮሌጃት ኣቪሲንያን ሚለንየምን ብፋርማስን ነርሲን ሰልጢኑ ኣብ ዝሐዚ እዋን ብሞይኡ ተቖጺሩ ይሰርሕ’ሎ::

ብተወሳኺ ድማ ንሱ ‘ውን ብግዲኡ ንወገኑ ክእብድ ቤት ንቤት ብምኻድ ኣብ ቅድመ ጥንቃቐ ዝተመስረተ ትምህርቲ ዝህብ ትካል ኣጣይሹ’ሎ::

ሳሚኤል ሚኪኤለ ድማ ወላዲኡ ብሰንኪ ሞት ስኢኑ ወላዲቱ ኣይፈልጠንን ምስ እኖሓጉኡ እዩ ዓብዩ:: ኮይኑ ግና ምስ እነ እምበይትኡ ክሳነ ስለዘይካኣለ ናብ ጎደና ወፅዩ ክሓድር ከም ዝጀመረ ይዛረብ:: ሻምናይ ክፍሊ እናሃለወ ናብ ወገን ንወገን ኣትዩ ኣብ ዝሐዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀዳማይ ዓመት ተምሃራይ ምህንድስና እዩ::

ክልቲኦም መንኣሰይ ኩሉ ወገን ፀጊምዎም ናብ በረንዳ ወፅዮም ሓሳረ መከራ ንዘሕልፉ ዘለዉ ወገናቱ ክሕግዝን ፀዊዖም::

ማሕበር ወገን ንወገን ኣብ ከተማ መቐለ ቅድሚ ሸወዓተ ዓማውቲ ኣቢሉ ዝተጣየሽ ዘይመንግስታዊ ትካል’ዩ:: ፍልፍል ኣታዊኡ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ሓገዝቲ ሰባትነ ትካላትን ዝርከብ ገንዘብን ንዋትን ከምዝኾነ ይፍለጥ:: ኣጣይሽን ዋና ኣማሓዳርን እቲ ትካል ኣይተ ቴዎድሮስ ኣሱሌ ይባሃሉ::

XS
SM
MD
LG