ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዚያዊ ናይ ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ኣዊጁ


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መልሰ ግብሪ ነቲ ኣብ መለእ'ታ ሃገር ዝተኸሰተ ተቃውሞ፣ ን6 ኣዋርሕ ዝዘልቅ ኣዋጅ ጊዚያዊ ህጹጽ ጊዜ ተግቢሩ።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ብቴለቭዥን'ታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ 'እቲ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝትግበር ኣዋጅ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ትካላትን ንግድን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምቅልባስ ዝዓለመ'ዩ' ኢሎም።

ትሕዝቶ ንዝቅጽል 6 ኣዋርሕ ዝዘልቅ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ጊዚያዊ ግልጺ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ እዋን ኣቦ መንበር ተቃዋሚ ፓርቲ ኢዴፓ ዝነበሩ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ንቪኦኤ ክዛረቡ ከለው 'ፖለቲካዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ክድረቱ ይኽእል'ዩ። ንኣብነት ሰላማዊን ህዝባዊን ኣኼባታት ምክያድ ክኽልከሉ ይኽእሉ'ዮም፣ ሰዓት እቶ-እቶ ክእወጅ ይኽእል'ዩ፣ ንሰባት ንምእሳርን ቤቶም ንምፍታሽን ናብ ቤት ፍርዲ ምቅራብ ክተርፍ'ዩ ማለት'ዩ፣ ካብኡ ዝሰገረ ንሰራዊትን ሓይልታትን ጸጥታ ፍሉይ ስልጣን ክዋሃቦም ይኽእል'ዩ ' ኢሎም።

እቲ ተቃውሞ ዓሚ ኣብ ክልል ኦሮምያ'ዩ ጀሚሩ። መንቀሊኡ ዋንነት መርየት ዝነበረ እቲ ተቃውሞ ሎሚ ናብ ፖሊቲካዊ፣ ቁጠባዊን ባህላዊን መሰላት ተመጣጢሩ'ሎ።

እቲ መንግስታዊ ተለቭዥን፣ ዝርዝር ትሕዝቶ'ቲ ኣዋጅ ሰንበት ከምዝቀርብ ሓቢሩ'ሎ።

ተሓለቅቲ መሰላት ካብ ዓሚ ጀሚሩ 450 ሰባት ከምዝተቀትሉ ይሕብሩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ንምስማዕ ምስ ኣቀባሊና ግርማይ ገብሩ ዝተካየደ ቃለ መጠይቅ ክትሰምዑ ትኽእሉ ኢኹም፣

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:59 0:00

XS
SM
MD
LG