ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ዘተግብር መግለጺ ወጺኡ


ኢትዮጵያ በናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብትመሓደረሉ ዘላ ጊዜ ነቲ ኣዋጅ ዘተግብር ዝርዝር መምርሒ ወጺኡ’ሎ።

መሓውራት ዜና ኢትዮጵያ ነቲ መግለጺ በገፊሕ ጸብጺቦም፡ ቤት ዕዮ ጉዳይ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ’ውን ነቲ መግለጺ ወግዓዊ ጌርዎ’ሎ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዜና ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነበራት አባላት ገዛኢ ፓርትን ኣብ ሓላፍነት ዘለው አባላት አመራርሓን ምስ ተቓወምቲ ፓርቲታትን ምሁራትን ካልኦት አባላት ማሕበረሰብን ብዛዕባ እቲ ኣዋጅ ብመሓውራት ዜና ብቐጥታ ዝተሓላለፈ ዝርርብ አካይዶም።

ኣብዚ ምይይጥ ካብ መንጎ ዝተኻፈሉ ኣቦ መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ብዛዕባ’ቲ ምይይጥ ብዝምልከት ኢህወዲግ በቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ዝወስዶም ስጉምቲታት ንፖለቲካዊ አፈላላይ ከተአናግድ ይትረፍ ናብ ዝከፍአ ኩነታት ዘምርሕ’ዩ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG