ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምጅማሩ ተፈሊጡ


ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝለዓለ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ብዝተፈላለዩ ዙራት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ምጅማሩ ምንስቴር ጉድያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኣማባሳደር ዲና ሙፍቲ ከምዝበሉዎ ብቕድሚ ትማሊ ጥራሕ ኣብ ሓደ ማዕልቲ 274 ሰባት ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለው ኢሎም።

ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስክረም ብሰለስተ ዙራት 1,440 ዜጋታት ንምምላስ ትልሚ ከምዝተሓዘ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG