ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ኮምፒተራቶም ብመንግስቶም ክትትል ይገበሮም ኣሎ ክብሉ ኸሲሶም


Ethiopia map
Ethiopia map
ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያዊያን መንግስቶም ንዝጥቀምሎም ኮምፒተራትን ውልቃዊ ርክቦምን ንምክትታልን ንምስላልን ኣዝዩ ዝማዕበለ ናይ ኮምፒተር ስፓይዎር ይጥቀም ኣሎ ክብሉ ኸሲሶም።ኣብ ዋሽንግተ ከባቢ ዝነብር ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ኽሲ መስሪቱ፤ኣብ ለንደን ዝነብር ካሊእ ሰብ እውን ንናይ ብሪታኒያ ፖሊስ ምምልካቱ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ብዜግነቱ ኣሜሪካዊ ብትውልዲ ድማ ኢትዮጵያዊ ዝኾነ ኸሳሲ ሰለልቲ ንናይ ኢሜይልን ስካይፕ ርክብባቱን ንዝጥቀሞ መርበብ ሓበሬታት ንምክትታልን FinSpy ዝተብሃለ ፕሮግራም ናብ ኮምፒተሩ ብምልኣኽ ክከታተልዎ ከምዝፀንሑ ዝቐረበ ኽሲ ይገልፅ።ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ዝቐረበ መዝገብ ኽሲ ከምዝዘርዘሮ ብድሕሪ እቲ ናይ ኮምፒተር መጥቓዕቲ ኢድ ኢትዮጵያ ከምዘለዎን ንዝንበፅሖ ጉድኣት ድማ 10 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ንክኽፈሎን ሓቲቱ’ሎ።

ኸሳሲ ስሙ ብምስጢር ንኽትሓዘሉ እውን ሓቲቱ’ሎ ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ኽሲ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ኮምፒተር ስለያ ኣየካይድን ክብሉ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንቪኦኤ ገሊፆም ኣለው።ምሉእ ትሕዝቱኡ የድምፁ።


please wait

No media source currently available

0:00 0:07:27 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG