ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕርይቲ ጋንታ ኢትዮዽያ ሎሚ‘ውን ትመርሕ‘ላ


ደገፍቲ ጋንታ ኢትዮዽያ
ደገፍቲ ጋንታ ኢትዮዽያ
ሕርይቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮዽያ ናብ ብራዚል ንዓመታ ሰነ ተተኣናግዶ ግጥም ፅዋዕ ዓለም ዝጀመረቶ ምምራሽ ትማሊ‘ውን ኣጠናኺራ ቀፂላትሉ።እታ ጋንታ ኣብ ምድባ መሪሕነታ ኣሓይላ‘ላ።ሸውዓተ ነጥቢታት ሒዛ ትመርሕ።ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሓሙሽተ ነጥቢታት ካልኣይ፣ ማእከላይ ሪፐብሊክ ሳልሳይ፣ቦትስዋና ራብዓይ።

ጋንታ ኢትዮዽያ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቦትስዋና ገጢማ፣ኣብ መበል 89 ደቃይቅ ተቀይሩ ብዝኣተወ ጌታነህ ከበደ ወርቃዊት ሸቶ ኣመዝጊባ‘ላ።

ኣብ ሜዳኣ ንማእከላይ ሪፐብሊክ ዘተናኣገደት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ክልተ ንባዶ ተዓዊታ።ግን ብትሕቲ ክልተ ነጥቢታት ንኢትዮዽያ ትስዕብ‘ላ።ቀፃላይ ግጥማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣንፃር ኢትዮዽያ ኣዝዩ ወሳናይ ክኸውን‘ዩ።ካብ‘ዚ ምድብ‘ዚ ሓንቲ ጋንታ ጥራሕ‘ያ ናብ መወዳእታ ዙር ግጥም ትሓልፍ።

ናብ ካልኦት ግጥማት ክንሰግር፣ታንዛንያ ንሞሮኮ ሰለስተ ንሓደ፣ዛምብያ ምስ ሌሴቶ ሓደ ንሓደ።ጋና ንሱዳን ኣርባዕተ ንባዶ።ማሊ ንሩዋንዳ ክልተ ንሓደ።ኬንያን ናይጀርያን ሓደ ንሓደ።ክሳብ 87 ደቃይቅ ኬንያ ሓደ ንባዶ ትመርሕ ነይራ።ሴኔጋልን ኣንጎላን ሓደ ንሓደ።

ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ኣፍሪቃ ይካየድ ዘሎ ርሱን ግጥማት ኣፍሪቃ ዝመፅእ መስከረም ክዛዘም‘ዩ።ዓሰርተ ምሕላፈለን ዘረጋገፃ ጋንታታት፣ ኣብ በፂሕካ ምምላስ ክልተ ግጥማት ነንባዕለን ክጣፈኣ‘የን።ብድሕሪኡ እተን ዝተዓወታ ሓሙሽተ ጋንታታት፣ብቀጥታ ኣብ ብራዚል ዝካየድ ፅዋዕ ዓለም ንኣፍሪቃ ወኪለን ክፃወታ‘የን።
XS
SM
MD
LG