ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ 2 ቴለስኮፕ ህዋ ናብ ስራሕ በቒዔን!


ኣብ እንጦጦ ዝተተኽለት ቴሌስኮፕ
ኣብ እንጦጦ ዝተተኽለት ቴሌስኮፕ

ቴክኖሎጂ ህዋ ንኢትዮጵያ ሓድሽ’ዩ።እንተኾነ ተተኺለን ዘለዋ ክልተ ኣሁሊሔን ዘርእያ መነፅራት (ተሌስኮፕ) ኣካል ፕሮግራም ምዕባለ ኢትዮጵያ ኮይነን ኣለዋ።

እተን ኣብ ጥቃ ኣዲሳበባ ዝተተኸላ ክልተ ቴሌስኮፕ፣ኢትዮጵያ ብቴክኖሎጂያዊ ዕብየት ናብ ዝላዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ንዝሓንፀፀቶ መደብ ክብ ከብል’ዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ።እቶም ማእከላት ምርምር ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሙልእ ንሙሉእ ስራሕ ጀሚረን’ያን።ኣብ’ዚ ቀረባ ድማ ብኢትዮጵያዊያን ሊቃውንቲ ክምራሕ’ዩ።

ህንፀት ቴሌስኮፓት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት’ዩ ተዛዚሙ። ዋጋ ክልቲኤ ቴሌስኮፓት ድማ ኣስታት 3 ሚልዮን ዶላር።

እዚ ደረጃ’ዚ ኣብ ፕሮግራም ህዋ ኢትዮጵያ እቲ መባእታዊ ብርኪ’ዩ ምባል ይካኣል።እንተኾነ እቲ ማእከል ምርምር ገዚፍ ውጥን ኣለዎ።ማእከል መዐዘቢ ህዋ ኢትዮጵያ ንተማሃሮ ኣፍሪቃ ናፃ ዕድል መመራመሪ ይፈጥረሎም ንተወሳኺ ምዕባለ ምርምር ህዋ ኣፍሪቃ ድማ ማዕፆ ይኸፍት።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:14 0:00

XS
SM
MD
LG