ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ዝኸውን ፀጋታት ይፅንቀቕ ኣሎ ተባሂሉ


ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ - መፅለሊ ኩሌ
ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ - መፅለሊ ኩሌ

ዘተ ሰላም ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ደውታ ኣብ ዝፈጠረሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለው ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ዝኸውን ቀረባት እናተፀንቀቐ ምዃኑ ተገሊፁ።ግጭት ደቡብ ሱዳን ኣብዝቐፀለሉ እዋን ተወሰኽቲ ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ ኣብ ደቡብ ሱዳን ግጭት ካብ ዝጅመር ገለ 245 ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ኣትዮም ኣለው።

ናህያል ይየች ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝኣተወ ስደተኛ እዩ።ተወሰኽቲ ኣገልግሎታት የድልየና’ሎ ይብል።ንሱ ‘’እኹል ማይን መድሓኒትን የለን’’ኢሉ።

ኣብዝተፈላለዩ እዋናት ዝተኸተሙ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ውዕላት ብተደጋጋሚ እናፈሸሉ ውግእ ቀፂሉ ይርከብ።ዛጊድ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ሞይቶምን ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ድማ ተመዛቢሎምን ኣለው።

እቲ ህውከት ኣብ ቀረባ ደው ክብል እዩ ዝብል ተስፋ የለን።እዚ ማለት ድማ ንዕቑባ ናብ ኢትዮጵያ ምውሓዞም ክቕፅል እዩ።ኣብ ክልል ጋምቤላ ንዝተዓቖቡ ስደተኛታት ዝሕግዛ 18 ትካላት ረድኤት ኣለዋ።ክሳብ ሕዚ እኹል ፀጋታት ከምዝነበረን ብምግላፅ ኣብቲ ከባቢ ዘይትሓሰበ ውሕጅ ስለ ዝተኸሰተ ግን ኩነታት ይቕየር ኣሎ ይብላ።

ንዓለምለኸ ፌደረሽን ቀይሕ መስቀል ዝሰርሑ ደኒስ ሶልበርግ ጀልድሰን ሓድሽ ማዕበል ተፈናቐልቲ ትፅቢት ከምዝግበር ሓቢሮም።ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝናብ እናነከየ ክኸይድ ከሎ ግጭት እናወሰኸ ክኸይድ እዩ፤ሰባት ምግብን ፀጥታን ብምድላይ ምምዝባሎም እውን ክቕፅል እዩ፤ናብዚ እዮም ክመፁ እውን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ብዝበለፀ ንብዙሓት ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ምዕቛብ ትርከብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 65 ሽሕ ስደተኛታት መብዛሕቲኦም ውሕጅ ካብዘዕለቕለቖም ካምፕታት ኣልዒሉ ናብ ካሊእ መዕቖቢ ስደተኛ ከስፍሮም ይደሊ።እቶም ካብ ዓሌት ኑዌር ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ካሊእ መዕቖቢ ስደተኛታት ንምኻድ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።ከዕቑብሉ ኣብ ዝተብሃለ ካምፕ መጥቓዕቲ ዓሌት ዲንካ የስግአና እዩ ብዝብል ምኽንያት እዮም ከምዚ ዝብሉ ዘለው።

ብኻሊእ ወገን ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ስደተኛታት ዘለው መናእሰይ ደቡብ ሱዳን ስደተኛታት ብዛዕባ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ዝተፈላለዩ ሪኢቶታት የንፀባርቑ።

ካብ ክፍለ ግዝኣት Upper Nile ሃዲሙ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ወዲ 22 ዓመት ተምሃራይ ጌትወች ሶክ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ሓድነት እንተድኣ ፈጢሩ ሰላም ክረጋገፅ ይኽእል እዩ ይብል።

ስድርኡ ሒዙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ሪት በም ዝተብሃለ ወታደር ሓይልታት ተቓዋሚ ዝነበረ እውን ንመሳፈሪ ዝኸውን ገንዘብ ስለዝሓፀሮም እምበር ተመሊሱ ክዋጋእ ከምዝደሊ ይገልፅ።ንግዚኡ ዘሎ መማረፂ ምውጋእ ጥራሕ እዩ ይብል።

ንመሰሎም እዮም ዝዋግኡ ዘለው።እቶም ፕሬዝዳንት ነቲ ኵናት ጠጠው ከብሉዎ ተኽእሎ ኣለዎም እዩ ዝበለ።ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ጋምቤል ኣዒቚቦም ዝርከቡ ካብ Upper Nile ዝመፁ ኣባላት ናይ ሪያክ ማቻር ነገድ ኑዌር እዮም።ካብ ዓሌት ዲንካ ዝኾኑ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝቐፀሉ ዘላቒ ሰላም ኣይመፅእን ይብሉ።ዲንካ ኣብ ደቡብ ሱዳን እቲ ዝዓበየ ነገድ እዩ።

ካብ ዓሌት ኑወር ዝኾነ ወዲ 27 ዓመት ዋንግ ዲው ቀንዲ መንቀሊ ግጭት ደቡብ ሱዳን ነገዳዊነት እዩ ይብል።

ኣደ ሰለተ ህፃናት ዝኾነት ጓል 30 ዓመት ርብቃ ያኩዌል ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወትሉ ምኽንያት ደሕንነት ደቃ ንምሕላው ከምዝነበረ ብምግላፅ እታ ሃገር ሓድሽ ፕሬዝዳንት እዩ ዘድልያ ክትብል እምነታ ትገልፅ።

ፅቡቕ ፕሬዝዳንት እንተድኣ ሃሊዩ እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ይኽእል እዩ እያ ዝበለት።ሳልቫ ኪር ፕሬዝዳንት ኮይኖም ክቕፅሉ ብምግባር እቲ ኵናት ጠጠው ኣይብልን ትብል ብምስዓብ።

ብሸምጋልነት ኢጋድ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ወገናት ቐፂሉ ዘሎ ዘተ ኣብ መቐሎ ስልጣን ዘተኮአረ እዩ።

XS
SM
MD
LG