ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን፣ግድብ ህዳሴን ግብፅን ተፀሚዳ‘ላ


ሰሜን ምብራቅ ኣፍሪቃ
ሰሜን ምብራቅ ኣፍሪቃ
ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንጉዳይ መስርሕ ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዝምልከት መልእኽቲ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ናብ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣረኪቦም።ትሕዝቶ እቲ ፍሉይ መልእኽቲ ግና ኣይተነፀረን።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ግብፂ ኣንፃር ህንፀት ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ፣ኣዕናዊ ወፍሪ ቀፂላትሉ ከምዘላ‘ውን ሚንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣፍሊጡ።እስክንድር ፍሬው ካብ ኣዲስ ኣበባ ንዝላኣኾ ሪፖርት፣በትረ ስልጣን ከቅርቦ‘ዩ፥

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ናብ ጁባ ዝተበገሱ፣መስርሕ ልዝብ ደቡብ ሱዳን ምዕይ ኣብ ዘይበለሉን ግጭት ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ደጊሱ ስግኣት ኣብ ዝፈጠረሉን ሃዋሁ‘ዩ።

እቶም ምንስትር ወፃኢ ካብ ኣቦ-መንበር ኢጋድ (በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ) ዝኾኑ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንዝተላኣኸ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ከምዘረከቡ ሚድያታት ኢትዮዽያ ሓቢረን።

ተቃወምቲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ካብ ማእሰርቲ ኣብ‘ዚ ቀረባ ዝተፈትሑ ሸውዓተ ፖለቲካዊ መራሕቲን ግና ናይ‘ቶም ተኣሲሮም ዘለው ኣርባዕተ ብፆቶም ምፍታሕ፣ንመስርሕ ልዝብ ደቡብ ሱዳን ከሳልጦ ከምዝኽእል ይኣምኑ።

እዚ ከም‘ዚ‘ሉ ከሎ፣ግብፂ ብዛዕባ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ ካብ ትኽተሎ ኣዕናዊ ወፍሪ ኣይተቆጠበትን ዝብል መግለፂ ኣውፂኡ ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ።

ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንሚድያታት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ኣብ ሞንጎ ኢትዮዽያ፣ ሱዳንን ግብፅን ይካየድ ዝነበረ ልዝብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብዘይ ፍረ ከምዝተቋረፀ ጠቂሶም።

ካብኡ ንዳሓር ግብፂ ኣብ ልዕሊ ህንፀት ምንጪ ኤሌክትሪ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ ኣሉታዊ ፅልዋ ንምዕራፍ ትንቀሳቀስ ከምዝፀንሐት ሓቢሮም።ግብፂ ሎሚ‘ውን ኣይተቆጠበትን ኢሎም ኣምባሳደር ዲና።

ኢትዮዽያ ንህንፀት ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ ክትቅፅሎ እያ።እቲ ዝስራሕ ግድብ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ካልኦት ሃገራትን ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘየስዕብ ካብ ምግላፅ ዓዲ ኣይንውዕልን ኢሎም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ።

ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተመደቡ ናይ ወፃኢ ሚድያታት ፅባሕ ዓርቢ ጋዜጣዊ መግለፂ ክህብ‘ዩ።
XS
SM
MD
LG