ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

30 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ኮርያ ዑቕባ ሓቲቶም


Asylum Seekers
Asylum Seekers

ምኽንያት መህደሚና፡ እናኸፍኤ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት`ታ ሃገር`ዩ ይብሉ

ሞያ ክስልጥኑ ናብ ደቡብ ኮርያ ዝተላእኩ ኢትዮጵያውያን 59 እዮም። ካብ`ቶም ዕቕባ ዝሓተቱ ሓደ ኣቶ ሲሳይ ወልደገብሬል ን ቪኦኤ ክገልጽ ከሎ “ኣብ ሃገርና(ኢትዮጵያ) ዝርኤ ዘሎ ምርጋጽ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት” ከምኡ`ውን ከም ዜጋታት ኣብ ክልታት ተንቀሳቒስና ናይ ምንባር ሕቶ`ዩ ንሃገርና ክንገድፍ ኣገዲዱና ይብል።

ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ዝካየድ ዘሎ መንግስታዊ ጣልቃ`ውን ካልእ ዘሰከፈና`ዩ ይብሉ።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ናይ ቅድሚ ሎሚ መደረኦም፡ ፍትሒ ኣብ ትህበሉ እዋን ጸገማት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝህሉ ንግንዘብ ኢና ኢሎም። እቶም ሰባት ካብ ዝተፈላለያ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካልት ናብ ደቡብ ኮርያ ዝተላእኩ`ዮም።
Ethiopian-Asylum seekers in S.Korea
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:46 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG