ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋንታ ኢትዮዽያ፣ናብ ብራዚል 2014 ፅዋዕ ዓለም ትምርሽ‘ላ


ጋንታ ኢትዮዽያ
ጋንታ ኢትዮዽያ
ሕርይቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮዽያ፣ንዓመታ ኣብ ብራዚል ንዝካየድ ግጥም ፅዋዕ ዓለም ዝጀመረቶ ግስጋሴ፣ትማሊ ንጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምስዓር ኣጠናኺራቶ።

እታ ጋንታ ኣብ‘ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየደቶ ወሳናይ ግጥም ክልተ ንሓደ ስዒራ።ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ቀዲማ ሸቶ ክተምዝግብ ኪኢላ ነይራ።እንተኾነ ጋንታ ኢትዮዽያ ብኮኸብ ተፃዋቲኣ ጌታነህ ከበደ ቅድሚ ዕረፍቲ ብምምዝጋብ ማዕረ ሓደ ንሓደ ዕረፍቲ ወፂኣ።

ኣብ መበል 70 ደቂቃ ድማ፣ንጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ሸቶ ዘመዝገበ በርናርድ ፓርከር፣ተመሊሱ ጋንትኡ ትሳዓረሉን ካብ‘ቲ ውድድር ወፃኢ ትኾነሉን ሸቶ ኣመዝጊቡ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ጋንታ ኢትዮዽያ ምስ ጋንታ ቦትስዋና ኣብ ዝተጋጠመትሉ እዋን፣ዘይግበኦም ተፃወቲ ኣሰሊፋ ተባሂላ ተጠርጢራ ትምርመር ከምዘላ ፊፋ ኣፍሊጡ።እቲ ’ክሲ‘ ግና እንታይ ከምዝኾነ ገና ኣይተነፀረን ዘሎ።በዚ በለ በቲ ዋላ‘ውን ኢትዮዽያ ጥፍኣት ፈፂማ እንተተባሃለ፣ኣብ ልዕሊ ሓፈሻዊ ውፅኢትን ስርርዕን ዘስዕቦ ርኡይ ለውጢ ኣይክህሉን።

ብዘይካ ኢትዮዽያ ቶጎን ኢኳቶርያል ጊኒን‘ውን ብተመሳሳሊ ‘ክሲ‘ ተጠርጢረን ይምርመራ‘ለዋ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:01 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG