ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምትፍናን ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ልሒሙ


ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ
ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ

ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተቓንዐ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝተራእየ ምትፍናንን ብመራሒ ሶማል ዝተባህለ ብኣባላት ጸጥታ ምኽልካልን ካብ ቀንዲ ኣዘራረብቲ ዛዕባ ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ። ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ መዘከር ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ኣዝዩ ከም ዝነሃረ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ መራሒ ሶማል ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ኢትዮጵያ ኣርኣያትኒ ዝበሎ ኣተሓሕዛ ብትሪ ነቒፉ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ ናብ መእከቢ ኣዳራሽ ንምእታው ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ብረት ብዝሓዙ ሓለዋ ከም ዝተኸልከለ ይገልጽ። ኢትዮጵያ ግን ንኽብሪ መራሒ ሃገር ዝበቅዕ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረሉን ግን ዓጀብቲ ፕረዚደንት ሶማል ምስ ብረቶም ናብቲ ኣዳራሽ ንምእታው ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከም ዝተኸልከሉን ትሕብር።

ኮሚሽነር ሕብረ ኣፍሪቃዊ ሙሳ ፋኪ መሃማት፡ ስም ከይረቝሐ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ኣባላት ሃገራት እቲ ሕብረት ክኽበር ኣዘኻኺሩ ነይሩ።

ኣብ ርክብ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ካልእ ኣዘራረቢ ጉዳይ ዝነበረ ተደጋጋሚ ተርእዮ ዕልዋታት’ዩ። ንስምምዕ እቲ ሕብረት ጥሒሰን ዕልዋ መንግስቲ ዝገበራ ኣባል ሃገራት ኣባልነተን ካብቲ ሕብረት ተሳሒቡ’ዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ርክብ ጋቦን ኒጀርን ኣይተዓደማን። ኣቐዲመን ብተመሳሳሊ ዕልዋ መንግስቲ ዝግበራ ማሊ፡ ጊኒ፡ ሱዳን በርኪናፋሶ’ውን ኣቐዲመን ካብቲ ሕብረት ተሰሪዘን’የን።

እቲ ዜጋ ሴነጋል ዝዀነ ኮሚሽነር ኣፍሪቃዊ ሕብረት’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ብፕረዚደንት ሴነጋል ማኪ ሳል ዝተራእየ ምንዋሕ ምርጫ ነቒፉ። እቲ ኮሚሽነር ኣስዒቡ፡ ሴነጋል ኣብ ግዜኡ ሓቛፊ፡ ኣሳታፊን ናጻን ምርጫ ክትገብር ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክፍጸም ጸዊዑ።

ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ዝርአ ዘሎ ምትፍናን ጎንጺን’ውን ካብቲ ንርክብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዘገደሰ ዓበይቲ ኣርእስታት’ዩ ነይሩ። ብሕልፊ ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ጎንጺ፡ ኣተሓሳሳቢ’ዩ ዝበለ ኮሚሽነር ማሃማት፡ ኣፍሪቃ ከምኡ ዝመስል ፍጻመ ኣብ ዝርኣየሉ እዋን ኢዳ ኣጣሚራ ክትዕዘብ ሓላፍነታዊ ስለ ዘይኰነ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ቅልጡፍ ዘተ ክግበር ጸዊዑ። ኣብ ጎድኒ እቲ ርክብ፡ ኣብ ዕጹው ኣጋጣሚ መራሕቲ ደሞክራሲያዊት ኮንጎ፡ ኣንጎላን ሩዋንዳን ምርኻቦም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ ሎ። ዝርዝር ናይቲ ርክብ ግን ኣይተገልጸን።

ሓድሽ መሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ሒዛ ዘላ ማውሪታኒያ ኢያ። ቀዳም ነቲ ሕብረት ክመርሕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሱማኒ ንፕረዚደንት ማውሪትንያ ኦላድ ጋዛውኒ ስልጣኑ ኣሰጋጊሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG