ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ወታሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ግዝኣታ ምእታዎም ትከስስ: ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ምላሽ ትህብ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ነብዩ ተድላ - ፋይል
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ነብዩ ተድላ - ፋይል

ኢትዮጵያ ምስታ ካብቲ ዝተረፈ ክፍሊ ሶማል ርእሳ ፈልያ ዘላ ሶማሌላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ መዘክር ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይዝርጋሕ’ሎ ሕብረተሰብ ከኣ ይጠንቀቅ ክትብል ኣፍሊጣ።

ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ ዘውፅኦ መግለፂ ተዘርጊሑ ዘሎ “ ሓበሬታ ሓሶት” ዝበሎ እንታይ ምዃኑ እንተዘይገለጸ’ዃ ኣብታ ዕለት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሌላንድ ዝገበሮ ስምምዕ መዘክር ንምስራዝ ወሲኑ ዝብል ኣርማ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ዘለዎ ሓበሬታ ይዝርጋሕ ምንባሩ ተገሊፁ’ሎ።

ብኻልእ ዜና ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሶማል ኣምባሳደር ኣቡባከር ዑስማን ሶማል ብዝምልከት ባይቶ ፀጥታ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሶማል ብምእታው ምስ ሓይልታት ፀጥታ’ቲ ከባቢ ተጋጭዮም ክብሉ ከሲሶም።

ትካል ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ንስግኣት ኣልሸባብ ንምክትታል ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተወሰኑ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ውሽጢ ሶማል ግዝኣት ሂራን ኣትዮም ምንባሮምን ንፅባሒቱ ሰንበት ምውፅኦምን ሽማግሌታት ዓዲ’ቲ ከባቢ ምሕባሮም ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ነብዩ ተድላ ንድምጺ ኣመሪካ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ነቲ ክሲ ኣሉታ ዊ ምላሽ ሂቦምሉ ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG