ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ካብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘይሕጋዊ ኣጸዋር ምህላዉ ተኸስስ፡ ኢትዮጵያ ትነጽግ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ- ኣቶ ነብዩ ተድላ - ፋይል
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ- ኣቶ ነብዩ ተድላ - ፋይል

ኣብ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ሓምለ፡ ንህይወት ሲቪላውያን ዜጋታት ዝቐተለ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ሰብ-መዚ ሶማል ካብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ኣሰካፊ ምህላዉ ኣመልኪቶም ነይሮም። መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ሰብ-መዚ ሶማል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ፈነወ ቋንቋ ሶማል ከም ዝሓበሩዎ፡ ካብ ኢትዮጵያ ብገለ ጉጅለታት ዝኣቱ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ኣብ መፈተሺ ንቝጥታት ከም ዝማረኹ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ወሃብ-ቃሉ ኣቢሉ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን ነቲ ክሲ ኣትሪሩ ነጺጉ ኣሎ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ክሲ መሰረት-ኣልቦን ዘይሓላፍነታዊ’ዩ ብምባል፡ ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን ሶማል ከም እትሰርሕ ጠቒሱ። ኣስዒቡእቲ መግለጺ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሰፋሕቲ ግጭታት ካብን ናብን ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብብዝሒ ስለ ዝርአ፡ ኵለን ጎረብባቲ ሃገራት ነቲ ተርእዮ ሓቢረን ክቃለስኦ ጸዊዑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG