ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኢትዮጵያ ዝአትዉ ሶማልያውያን ስደተኛታት ቁፅሮም ይንኪ'ሎ


Dolo Ado
Dolo Ado

ጥምየት ካብ ዘጥቅዓ ሶማል ናብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ዝውሕዙ ሶማልያውያን ቁፅሮም ኣብት ቀረባ ሰሙናት ካብቲ ዝነበሮ ሓያለ ኣሽሓት ንመዓልቲ ኣብዚ እዋን ናብ ኣማእት ነኪዩ'ሎ።

እንተኾነ እቶም ዝመፁ ብጥምየት ኣዝዮም ተሃስዮም ኣብ ሕማቅ ኩነታት'ዮም ዝርከቡ። ሻቅሎት ሰበ-ስልጣን ጉዳይ ስደተኛታትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ብዛዕባ'ቶም አዝዮም ተሃስዮም ዝመፁ ቆልዑ'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዶሎ ኣዶ ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ሎራ ፓዶን ካብቶም ዝመፁ ሓደስቲ ስደተኛታት ብዙሓት " ካብ ሶማል ንኽሃድሙ ዝገበሮም ቀንዲ ምኽንያት አልሸባብ'ዩ" ኢለን።

ብኻልእ ወገን ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ህፃናት ዩኒሰፍ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ግዳያት'ቲ ህልቀት ዘስዓበ ደርቂን ጥምየትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ቆልዑ'ዮም ክብል ገሊፁ።

ኣብ ደቡብ ሶማል ሓደ ሚልዮንን ፈረቃን ቆልዑ ህፁፅ ሰብአዊ ረድኤት የድልዮም'ሎ ክብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ህፃናት ዩኒሴፍ አፍሊጡ'ሎ።

"ዕድሚኦም ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም 450-ሽሕ ቆልዑ ብፅንኩር ጉድለት አመጋግባ ይሳቀዩ'ለው፣ ካብአቶም'ቶም 195-ሽሕ ኣብ ኸቢድ ጉድለት አመጋግባ ወዲቆም ይርከቡ" ኢሉ'ሎ።

ህፁፅ ረድኤት ኣንተ ዘይተረኺቡ'ውን እዞም ቆልዑ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክሞቱ ይኽእሉ'ዮም ፣ ግን እንተተሓኪሞም እቶም ቆልዑ ክጥዕዩ ዝኽእሉ'ዮም ክብል'ውን እቲ ትካል ብወሃቢት ቃሉ ኣቢሉ ገሊፁ'ሎ።

XS
SM
MD
LG