ዋሽንግተን —
ኣብ ሶማል ዝመደበሩ ዕጡቕ ጥሩፍ ጕጅለ ኣልሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ ካልኣይ ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ ወርሒ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ካብቲ ጉጅለ ኣሰካፊ ተርእዮ ከም ዘየሎ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ነቢዩ ተድላ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።
ጉጅለ ኣልሸባብ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብቐንዱ ድማ ኢትዮጵያ ሓደስቲ ኣባላት ንምጽንባር ቀጻሊ ጎስጓስ ከም ዝግበር ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኣገባባት ዝጻረር መስርሕ ከም ዘለዎም እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ ገሊጹ። ኣቶ ነቢዩ ተድላ ኣስዒቡ፡ እቲ ጉጅለ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክጸሉ ዝኽእል ራዕዲን መጥቃዕቲን ከውርድ ደኣ ይኽኣል እምበር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ምስ መሻርኽቲ ወገናት ብምትሕብባር ደቂቕ ክትትል ከም ዝገብር ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።
ጉጅለ ኣልሸባብ ዝበዝሑ ናይ ወጻኢ ሃገራት ኣባላቱ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ኰይኖም፡ ብፍሉይ ንኢትዮጵያውያን ዝዓለመ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝዳሎ ናይ ቪድዮ ቀረጻታት’ውን ከም ዝገብር ይፍለጥ ።
ቅጥዒ