ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ ሱማሊያ ክትፀንሕ እያ ኢሎም ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ


ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪካ ወታደራት ኢትዮጵያ ንዝተቖፃፀርዎም ከባቢታት ክሳብ ዝርከቡ ኣብ ሱማሊያ ከምዝፀንሑ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣፍሊጦም።ናይ ሱማሊያ ፕሬዝዳንት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ካብ ዝምረፁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈላማይ መንግስታዊ ዑደተ የካይዱ ኣለው።
ምስ ሓድሽ ፕሬዝዳንት ሱማሊያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብሓባር ኮይኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝብሃብዎ ጋዜጣዊ መገልፂ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸላይ ሱማልያ ንዝተቖፃፀረተን ቁልፊ ከተማታት ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪካ ንኽርከቡዋ እናተፀበየት እያ ኢሎም።ክልቲኦም ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ወታደራት ኢትዮጵያ ንዝተወሰነ እዋን ከምዝፀንሑ ሓሳብ ካብ ምሃብ ዝዘለለ ካብተን ከተማታት እትስሕበሉ ግዜ ብንፁር ኣየቐመጡን።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መገልፂ ንጋዜጠኛታት መልሲ ዝሃቡ ፕሬዝዳንት ማሕሙድ ምስ ኣል-ቃይዳ ርከብ ዘለዎ ኣል-ሸባብ ተሳዒሩ እዩ ኢሎም።ተዋጋእቲ ፅንፋዊያን ወፃእተኛታት ካብ ሱማሊያ ንኽወፁ ኣጠንቂቖምዎም ኣለው እቶም ፕሬዝዳንት።
ከም መንግስቲ ሱማሊያ ኣብ ውሽጢ ሱማሊያ ምስ ዝርከቡ ናይ ወፃኢ ተዋጋእቲ ርክብ የብልናን፣ክህልወና እውን ኣይንደልን ዝበሉ ፕሬዝዳንት ሓሰን ኣስዒቦም ‘’ዘለዎም እንኮ መማረፂ ካብታ ሃገር ወፂኦም ናብ ዝመፅሉ ምኻድ ጥራሕ እዩ።እንድሕር ዘይወፂኦም ዝወፅእሉ ሃዋህው ምፍጣር ናትና ሓላፍነት እዩ።’’
ፀጥታ ናይ ሓድሽ መንግስቶም ቀንዲ ሻቐሎት ኮይኑ ከምዝቕፅል ፕሬዝዳንት ማሕሙድ ገሊፆም ኣለው።
ስርዓተ-ሕግን ኣተሓሕዛ መንግስታዊ ገንዘብን ዝለዓሉ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ከምዝኾኑን እንተኾነ ግን ቁፅሪ ሓደ ዝስራዕ ናይ ሱማሊያ ፀጥታ እዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ፕሬዝዳንት ሱምሊያ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዕግርግርን ብኵናትን ንዝተሃሰየት ሃገሮም ዳግም ኣብ ምህናፅ ንዘቕረቡዎ ናይ ሓገዝ ሕቶ ብኣዎንታዊ ተቐቢሎምዎ።’’ምስ መንግስቲ ሱማሊያ ብሓባር ኮይንና ብዝትሓተ ዓቕሚ ግን ብዝለዓለ ድልየት ነዞም ትካላት እዚኦም ዳግማይ ክነተዓራረዮ ኢና።’’
ብኻሊእ ዜና ሶማሊላንድ ሎማዕንቲ ረቡዕ ናይ ከተማታት ኣብያተ ምኽሪ ምርጫ ኣካይዳ።ኣብቲ ምርጫ ሸውዓተ ፖለቲካዊ ፓርታት ተሳቲፎም ኣለው።ነቲ ምርጫ 52 ዓለምለኸ ተዓዘብትን 15 ሃገራትን ተዓዚቦምዎ ኣለው።ናይ ሱማሊያ ፕሬዝዳንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሶማሊላንድ ነቲ ምርጫ ምክያዳ እንዃዕ ኣሐጎሰኩም ኢሎም።ሶማሊላንድ ካብ 1991 ኣ/ፈ ጀሚራ ንዓራሳ ነፃ ሃገር ኢላ እንተኣወጀት እውን ዓለምለኸ ተቐባልነት ኣይረኸበትን።
XS
SM
MD
LG