ሰራዊት ኢትዮዽያ ካብ ሶማልያ ምውፃእን ዘይምውፃእን ዝውሰን ካብ ሓፈሻዊ ኩነታት ፀጥታ ሶማልያ ተበጊሱ‘ምበር፣ገንዘባዊ ሓገዝ ስለዘይተረኸበ ኣይኮነን ኢሎም ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ።
ሰራዊት ኢትዮዽያ ኣብ ባይዶዋን ካልኦት ከባቢታትን ክሳብ ሎሚ ዝፀንሐ፣ ሰራዊት ሶማልያን ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ክሳብ ዝትክእዎ ምኻኑ ገሊፆም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ።
ስለዚ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ሰራዊት ኢትዮዽያ ንባይዶዋ ሓዊሱ ንገለ ይቆፃፀሮ ዝነበረ ከባቢታት ምርካብን ዘይምርካብን ናይ መትከል ጉዳይ‘ዩ ኢሎም። ”ብሓፈሽኡ ብደረጃ መትከል፣ሰራዊት ኢትዮዽያ ብሰራዊት ሶማልያን ዓቃቢ-ሰላምን ክትካእ ዝብል ትልሚ ንፅበዮ ዝነበረ ትልሚ ስለዝኾነ ዝተተግበረ ወይካኣ ዝትግበር መደብ‘ዩ ምባል ይካኣል።ዝርዝራዊ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ግና ክቁጠብ‘የ“ይብሉ ንሶም።
መንግስቲ ኢትዮዽያ ምስ መንግስቲ ሶማልያ ዘለዎ ርክብ ኣብ ውጥረት ኣትዩ‘ሎ ይባሃል‘ሞ ሪኢቶ‘ዶ ክህቡና ተባሂሎም ኣምባሳደር ዲና ”እቲ ዝፀንሐ ርክብ‘ዩ ሎሚ‘ውን ዘሎ።ፅቡቅ ዝምድና‘ውን ኣለና።ርክባትና ካብ መንግስታት ሓሊፉ ብደረጃ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን‘ውን ዝግለፅ‘ዩ።
ኢትዮዽያ ኣብ ሶማልያ ምፅናሓን ዘይምፅናሓን ዝውሰን፣ብገንዘባዊ ሓገዝ ዘይኮነስ፣ብሓፈሻዊ ፀጥታዊ ኩነታት ሶማልያ ምኻኑን፣ምምሕያሽ እንተርእዩ ኢትዮዽያ ኣብ ሶማልያ ትፀንሐሉ ኩነታት እናነከየ ክኸድ‘ዩ ዝብል ገምጋም ከምዘሎ ሓቢሮም።