ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስሙር ግንባር ኢትዮጵያን ሶማልያን ናብ ባይዶኣ ይምርሽ ኣሎ


ክሳብ ዓርቢ ነታ ከተማ ክቆፃፀርዋ'ዮም ይብሉ ቀ/ሚ ሶማልያ

ስሙር ሓይሊ ኢትዮዽያን ሶማልያን ኣብ ማእከላይ ሶማልያ ኣንፃር ምልሻታት ኣል-ሸባብ ከምዝተዋግኡ መሰኻኽር ገሊፆም።

ቪኦኤ ኣገልግሎት ሶማልኛ ከምዝገለፆ፣እቲ ሎሚ ሰሉስ ዝተካየደ ውግእ ኣብ ሞንጎ ከተማታት ሉቅን በርደለን ኣብ ዝርከብ ከባቢ‘ዩ።

በርደለ ካብ ባይዶኣ ስሳ ኪ/ሜ ርሕቀት‘ያ ትርከብ።ባይዶኣ ሓያል ዕርዲ ኣል-ሸባብ ምኻና‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ተጠባባቂ ቀ/ሚ ሶማልያ ሎሚ ንሪፖርተራት ከምዝገልዎ፣ሓይልታት ጥምረት ናብ ባይዶኣ ይምርሹ‘ለው፣ነታ ከተማ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ክሳብ ዓርቢ ክቆፃፀርዋ‘ዮም ኢሎም።ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት፣ዛጊድ ዝተገልፀ ነገር የለን።

መንግስቲ ሶማልያ ሶኒ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፣መጥቃዕቲ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ሓዪሉ ንናፃ ዞባ ከስፍሕ‘ዩ ከምዝበለ ዝዝከር‘ዩ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ኣውሮዻውያን ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ማያት ሶማልያን ኣብ ልዕሊ ከተርቲ ባሕሪ ወፍሮም ከሕይሉ‘ዮም።

ምንስትር ወፃኢ እንግሊዝ ዊልያም ሄግ፣ሃገሮም ነቲ ኣብ ስሽልስ መደብሩ ዝኸውን ሓይሊ ፀረ-ክትራን ባሕሪ ብገንዘብ ክትድግፍ፣ኣዛዚ‘ውን ክትምድብ’ያ ኢሎም።

እቲ ዞባዊ ኣተሓባባሪ ፀረ-ክትራን-ባሕሪ፣ማሕበረ-ሰብ ዓለም ደድሕሪ‘ቶም ሸፋቱ ክስዕብን ናብ ፍርዲ ከቅርቦምን’ዩ ይብሉ ዊልያም ሄግ።

ንምህናፅ‘ቲ ማእከል ዝውዕል 870 ሽሕ ዶላር እንግሊዝ ክትልግስ‘ያ።ኣብ ምዕዋት‘ቲ ተበግሶ፣ኔዘርላንድ፣ስሽልስን ኢንተርፖልን‘ውን ክተሓባበሩ‘ዮም።

ክትራን ባሕሪ ንቁጠባ ዓለም ሎም-ዘበን ጥራሕ ኣስታት ሸውዓተ ቢልዮን ዶላር ከምዘኽሰረ ሓደ መፅናዕቲ ዩ-ስ ከምዘፍለጠ‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG